ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አዲስ አበባ ኣትዩ


ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ አዲስ አበባ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረአብ ዝርከብዎ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዩ።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አዲስ አበባ ኣትዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:02 0:00

እቲ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ቀ/ሚ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ
ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ቀ/ሚ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ

ኣቐዲሙ ሚኒስቴር ዜና መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝለኣኾ ናይ ቲወተር መልእኽቲ: ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ኣስመራምብጋሱ ገሊጹ ነይሩ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር አብይ አሕመድ አቶ ፍጹም አረጋ ብወገኑ: ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ አዲስ አበባ ምእታውን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር አብይ አሕመድ ድማ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ አዲስ አበባ ተረኺቦም ከምዝተቐበልዎም ሓቢሩ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

ኣብዚኣ'ሞ

መገሻ ፕረ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG