ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዕባለታት መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ልዑል ታሕጓስ ፈጢሩ`ሎ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ገሊጾም


ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ልዑል ታሕጓስ ፈጢሩ`ሎ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ገሊጾም። እቲ ዘሕዝን ዝበልዎ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ከምዝተዓጽወ`ውን ይገልጹ`ለዉ።

ትማሊ ምሸት ንኽብሪ ፍሉይ ልኡኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ፡ ጸሊም-መጋረጃ ተቐንጢጡ ክብል ከሎ፡ ሚንስተር ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ዶብ-ዘይጋርደና ሓደ ህዝቢ ኢና ኢሉ።

ጉጅለ ልኡኽ ኤርትራ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ፡ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቐበለቶን ከምትትግብሮን ድሕሪ ምግላጻ`ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG