ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኤርትራን ኢትዮጵያን በሪ ሰላም ተኸፊቱለን ኣሎ" ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ


ቀዳማይ ሚንስተር አብይ አሕመድ ትማሊ ምሸት ንካብ ኤርትራ ዝመጸ ልኡኽ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘዳለውሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ: ንዝተገብረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ድሕሪ ምምስጋን "ክልቲአን ሃገራት: ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ በሪ ናይ ሰላም ተኸፊቱልና ኣሎ" ክብሉ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝተገብረሎም ናይ መቐበሊ ድራር እንግዶት ገሊጾም።

ክልቲአን ሃገራት: ኤርትራን ኢትዮጵያን ሎሚ መዓልቲ በሪ ናይ ሰላም ተኸፊቱልና ኣሎ" ሚ/ ጉ/ ወ/ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብተወሳኺ "እዚ ተኸፊቱ ዘሎ ናይ ሰላም ናይ ልምዓት ክኾነልና ድማ ንምነ"ድሕሪ ምባል "እቲ ሰላም ሕጂ መጺኡ ደው ዝብል ዘይኮነ ዘለኣለማዊ ሰላም ክኾነልና ድማ ንምነ" ኢሎም።

ሚኒስተር ዑስማን ብዘይካ'ዚ "ክልተ ህዝብታት ዘይኮነ ሓደ ህዝቢ ኢና "ድሕሪ ምባል "ብሓባር'ውን ክንነብር ንደሊ ኢና። ዶብ ዝጋርደና ዓይነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ " ክብሉ ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ገሊጾም። ከምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝረኣዩዎ ናይ ሓጎስ ስምዒት ኣብ ኣስመራ'ውን ተመሳሳሊ ስምዒት ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዘዋጽኣና ፍቕሪ ጥራይ እዩ" ቀ/ ሚ/ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ወገኖም "ሓደ ዘሕዝን ምዕራፍ ታሪኽ ዓጺና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ኣቲና ዝብል እምነት ኣሎና" ኢሎም። እዚ እምነት ዝምርኮሶ ድማ "ኣዚ ዝተጀመረ ጉዕዞ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ቆራጽ ውሳነን ድሌትን ብምዃኑን እዩ ክብሉኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ኣጋጣሚ ጠቒሶም።


ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ድራር እንግዶት "ኢትዮጵያውያን ዘምሕረልኩም ፍቕሪ ጥራይ እዩ" ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላምን ሰናይን መልእኽቶም ስነጥበባውያን ኣብ ዝመጽእ መስከረም ኣብ ዝግበር በዓል ሓድሽ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራ ስለዝኾነ ኣቐዲሞም ምድላው ክገብሩ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ባጽዕ ምዝዋር ንዝናፈቖም ኢትዮጵያውያን ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ስራሕ ከምዝጀምር ብምግላጽ ክዳለውን ካብ ኤርትራ ንዝመጹ ኣሕዋትን ኣሓትን ድማ "እንቋዕ ደሓን መጻእኩም" ኢሎም ክቕበሉ ኣዘኻኺሮም።

"ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዘዋጽኣና ፍቕሪ ጥራይ እዩ" ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ "እቲ ጽልኢ ፈቲናዮ ኢና ብኽልቲኡ ወገን ኣኽሳሪ እዩ" ድማ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG