ግብጺ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ወታሃደራታ ኣብ ሓባራዊ ልምምድ ዝነበሩ'ዮም ክትብል ኣፍሊጣ

  • ዜና ቪኦኤ

ወታሃደራት ግብጺ ኣብ ሱዳን ምስ ናይ ሱዳን መዘናታቶም ወታሃደራዊ ልምምድ ንምግባር ደኣምበር ኣብቲ ጎንጺ ንዘሎ ዝኾነ ወገን ንምድጋፍ ኣይኮነን ክብሉ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ወሃብቲ ደገፍን ሰራዊት ሱዳንን ቀዳም 15 ሚያዝያ ጎንጺ ድሕሪ ምውላዑ ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ኣብ ዝዘርግርሖ ቪድዮ ኣብ መንጎ ዶብ ግብጽን ኻርቱምን ኣብ ትርከብ መሮዊ ዝተባህለት ንእሽቶይ ከተማ ዝተማረኹ እዮም ዝተባህሉ ወታሃደራት ግብጺ ኣርእዩ'ሎ።

እቲ ቪድዮ ሓያለ ወታሃደራዊ ክዳን ዝተኸደኑ ኣብ መሬት ተኾርምዮም ኮፍ ዝበሉ ሓያለ ደቂ ተባዕትዮ ብላህጃ ግብጺ ዝኾነ ቋንቋ ዓረብ ነቶም ኣባላት ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ክዛረቡ ኸለዉ ኣርእዩ'ሎ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሓይልታት ሰራዊት ዘካየድዎ ኣኼባ ብሃገራዊ ቴሌቭዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረ እቶም ፕረዚደንት ደሕንነት'ቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ወታሃደራት ግብጺ ንምርግጋጽ ምስ ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ይራቡኸ ምህላዎም ገሊጾም'ለዉ።

ብሕሜቲ ዝፍለጡ መራሒ ሓይልታት ወሃቢ ደገፍ ጀነራል መሓመድ ሃምዳን ዳጋሎ ንናይ ዓረብያ ቴሌቭዥን ስካይ ከምዝበልዎ እቶም ወታሃደራት ግብጺ ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዎምን መግብን ማይን ይወሃቦም'ሎ ናብ ሃገሮም ምምላስ ንምስላጥ'ዉን ብወገኖም ድልዋት ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣልሲሲ ብወገኖም ምቁራጽ ተጻብኦ ንኽግበር ግብጺ ምስ ክልቲኦም ተጻባእቲ ትራኸብ'ላ ኢሎም።