ዋሽንግተን —
ብላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝጀመረ ጎንጺ፡ ናይ 24 ሰዓታት ምቍራጽ ተጻብኦ እኳ እንተ ተሰማምዑ፡ ገና ግን ከም ዘይዓረፈ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማሲያዊ ቃፍላይ ትማሊ ሰኑይ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠሞ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጹ። ብሊንከን ነዚ ሓበሬታ ኣብ ቶክዮ ጃፓን ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ኣካፊሉ። ዝርዝር ናይቲ ዝወረደ መጥቃዕቲን መጠንን ግን ኣይሓበረን።
ከም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት’ቲ ብጀነራል ሒሜቲ ዝምራሕ ሓይልታት ወሃብ ድጋፍ’ዮም።
ብሊንከን ንጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሒሜቲ)ን ብስልኪ ምዝርራቡ’ውን ሓቢሩ ኣሎ። ብሊንከን ነቶም ሰብ-መዚ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካውያን ዲፕሎማሰኛታት ዝተገብረ መጥቃዕቲ ፍጹም ምኽኑይ ዘይምዃኑ’ውን ነቶም ኣዘዘቲ ኣካፊሉ ኣሎ።