ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ብዝሒ ዝሞቱ ዜጋታት ልዕሊ 180 በጺሑ


ካብ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ብዝሒ ሞዉታት ናብ 180 ምድያቡ፡ ቍስላት ድማ ኣስታት 1800 ምዃኑን ም ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቮልከር ፐርዝ ሎሚ ሰኑይ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ውድብ ኢጋድ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትፍናን ክልተ ወታሃደራውያን መራሕቲ ኣብ ምፍታሕ ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። ነዚ ዝርርብ ክመርሑ ተመሪጾም ዘለዉ ድማ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን’ዮም።

እንተዀነ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ልኡኻት ናብታ ሃገር ንምእታው ኣዝዩ ከበዲ ከም ዝገብሮ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ዘሎ ኲናት ብዘይዕረፍቲ ይቕጽል ብምህላዉ ኣዝዩ ኣሻቓሊን ንዘተ ቦታ ዘይህብን’ዩ ዝበለ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ዛጊት ብዝርአ ዘሎ ምዕባለ፡ ብኽልተ ወገናት ንዘተ ሰላም ዝእንፍት ምዕባለ ከም ዘይተራእየ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG