ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ቅልውላው ብዓይኒ ኤርትራዊት ተቐማጢት ካርቱም


ሱዳን፤ ቅልውላው ብዓይኒ ኤርትራዊት ተቐማጢት ካርቱም
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:45 0:00

ሱዳን፤ ቅልውላው ብዓይኒ ኤርትራዊት ተቐማጢት ካርቱም

ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ግጭት፡ ዛጊት ተመዝጊቡ ከም ዘሎ፡ ንህይወት ኣስታት 200 ዜጋታት ወሲዱ፡ ንኣስታት ክልተ ሽሕ ድማ ኣቚሲሉ ኣሎ። እቲ ኲናት ኣብ ማእከል ከተማን ኣብ መንጎ ህዝቢን ይካየድ ብምህላዉ እቲ ቀንዲ ሻቕሎት ፈጢሩ ዘሎ’ዩ።

ዋላ'ዃ ምቁራጽ ተኲሲ ክገብሩ ምስምማዖም ክልቲኦም ሓይልታት እንተገለጹ ነበርቲ ከተማ ካርቱም ግን ሕጂ'ውን ድምጺ መዳፍዕን ተኲሲን ይስማዕ ምህላው ይገልጹ።

ኣገልግሎት ማይን ኤሌትሪክን ምቁራጹ ብተወሳኺ መብዛሕትኡ ትካላት ብምዕጻው ዝኾነ ዓይነት ቀረብ ንመግቢ ሓዊሱ ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ኤርትራዊት ነባሪት ካርቱም ትገልጽ።

እቲ ዘሎ ጎንጺ ንስደተኛታት ብፍሉይ ዝጸሉ እንተዀይኑን ካልእ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ምዕባለታትን ንምውካስ፡ ንሓንቲ ነባሪት ከተማ ካርቱም ብቴለፎን ኣዘራሪብናያ ኣለና። ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ኣብ ካርቱም ልዕሊ 10 ዓመታት ዝተቐመጠት’ያ።

XS
SM
MD
LG