ብቐዳም ኣብ መንጎ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳንን ፍሉይ ሓይልታት ወሃብ ደገፍ እታ ሃገርን ዝተወልዐ ኲናት፡ ህይወት ሓያሎ ዜጋታት ወሲዱ ንዝኸፍአ ምምዝባል ከየስዕብ ስግኣት ይፈጥር ኣሎ።
ኣብ ሱዳን ብዝተወልዐ ኩናት ዝሞቱ ሰለማውያን ሰባት ብውሕዱ 97 ምብጽሑ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ኣፍሊጡ። ኣብ መንጎ ኣዛዚ ሓይልታት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ቡርሃንን ኣዛዚ ሓይልታት ወሃብ ድጋፍ ምኽትሉ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ዝተወልዐ ግጭት ኣካል ውድድር ስልጣን ምዃኑ`ዩ ይግለጽ።
ኣብ ዳርፉር ኣብ ዝተገብረ ግጭት ካብ መንጎ`ዞም ሕጂ ተቐቲሎም ዘለዉ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ፕሮግራም መግቢ ዓለም`ዮም።
ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተገይሩ`ሎ፡እንተኾነ ነበርቲ ከቢድ ፍንጀራታትን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ተወርዋሪ ሓይሊ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝሰምዑን ይገልጹ`ለዉ።
ሮይተርስ ኣስታት 365 ሲቪላት ከም ዝቖሰሉ ክሕብር ከሎ፡ ገለ ካልኦት ድማ ክሳብ 600 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ይገልጹ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ሎሚ ሰኑይ፡ ብጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክልተ ወገናት ተጻብኦ ኣቋሪጾም ጉዳዮም ብዘተ ክፈትሑን ህልቂት ከወግዱን ጸዊዑ። ጉተረዝ ኣብ መግለጺኡ፡ ኩነታት ሱዳን ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ እናሃለወ ሕጂ ካልእ ጎንጺ ምልዓሉ፡ ነቲ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ክወስዶ ምዃኑ ኣጠንቂቑ። ዋና ጸሓፊ ጉተርስ ምስ ክልተ መራሕቲ ጀነራላት፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ብቴለፎን ምዝርራቡ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ከይዲ ተራ ክጻወታ ዝኽእላ ከም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ሃገራት ዓረብን ካልኦትን ምዝርራቡ ሓቢሩ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያን በበይነን ሃገራት ኤውሮጳን’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ጎንጺ ብሰለማዊ መንገዲ ክዓርፍ ይጽውዑ ኣለዉ።
ድሒሩ ካብ ዝበጽሓና ምዕባለታት፤ ውድብ ኢጋድ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ምትፍናን ክልተ ወታሃደራውያን መራሕቲ ኣብ ምፍታሕ ተበግሶ ወሲዱ ኣሎ። ነዚ ዝርርብ ክመርሑ ተመሪጾም ዘለዉ ድማ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን’ዮም።
ነዚ ናይ ዝርርብ መሪሕነት ዝጥርንፍ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እዞም ዝተጠቕሱ መራሕቲ ሃገራት ንኻርቱም ኣትዮም ክዝትዩ መደብ ከም ዘሎ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።