ፕሬዝደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነዚ ዝገለጹ ትማሊ ረቡዕ ምስ ናይ ሶማል ተሌቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቕ’ዩ።ኣብ ኬንያ ኣብዝተፈጸመ ስነስርዓት ቀብሪ ወታደራት ንምንታይ ከምዝተረኽቡ ምስተሓተቱ ፕሬዝዳንት ሓሰን ከምዚ ክብሉ መሊሶም።
‘ኣብ ሱማሊያ ሰላም ከንግሱ ዝተልኣኹ ካብ 180 ክሳብ 200 ዝኾኑ ወታደራት ኣብ ሓደ ንጉሆ ክቕተሉ ከለው ቀሊል ነገር ኣይኮነን እዮም።’
ኣል-ሸባብ ብወገኑ ልዕሊ 100 ወታደራት ኬንያ ቀቲለ ኣለኹ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓላፊ ኣሚሶም(AMISOM) ፍራንሲስኮ ቼይታኖ ማደይራ ዋላካ ኣብ ቀረባ ብኣል-ሸባብ ገለ መጥቓዕትታት እንተተፈጸሙ ወታደራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ልዕልነቶም ኣረጋጊጾም ይቕጽሉ ኣለው ኢሎም።
ትማሊ ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣሚሶም ንኣል-ሸባብ እናሰዓበ ዕረፍቲ ከሊኡዎ’ሎ ኢሎም።መንግስቲ ሶማል 80 ሚእታዊት ደቡብ ማእኸል ‘ታ ሃገር ኣብ ቁጽጽሩ ከምዝውዓሎን እዚ ዝሕብሮ ነገር ድማ ኣል-ሸባብ ካብዞም ቦታታት ተጸሪጉ ምውጽኡ እዩ ኢሎም።
ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ብኻልእ ዜና ኣል-ሸባብ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሞቓድሾ ብዘኻየዶ ናይ ሞርታር መጥቓዕቲ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም፤ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ምቑሳሎም ዝበጸሐና ዜና ሓቢሩ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5