አብ ክልል ኦሮምያ ዝኻየድ ተቃውሞ ሕጂ’ውን ይቅጽል’ሎ ይብሉ ነበርቲ

ቤት ማእሰርቲ ኣምቦ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ተቃውሞ ኣብ ገለገለ ከባቢታት ከምዝቀጸለ ነበርቲ ይገልጹ’ለው።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ሃረርጌ ወረዳ ጉራዋ ኢፍባቴ ዝተባህለ ከባቢን ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ወረዳ ዳባን ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዱን ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝ ብምጥቃም ንተሳተፍቲ’ቲ ሰልፊ ከምዝበተኑ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ይገልጹ።

ኣብ ወለጋ ከተማ ነቀምቴ ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ዘይምርግጋእ ከምዝነበረ፡ሓይልታት ጸጥታ ድማ ንሰባት ከምዝቀጥቀጡ ሓደ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ወለጋ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ከተማ ኢልቦ ተማሃሮ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። ሰለስተ ተማሃሮ ተአሲሮም ናብ ሻምቦ ዝተባህለ ቦታ ከምዝተወሰዱ ዝገለጹ ነበርቲ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብተማሃሮ’ቲ ዞባ ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግን ብሰላም ከምዘብቅዓ ገሊጾም’ለው።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ከተማ ማችራ’ውን ትማሊ ሰልፊ ምክያዱ እቲ ሰልፊ ብተማሃሮ ተጀሚሩ ደሓር ግን’ቲ ሕብረተሰብ ከምተጸንበሮ ዝገለጹ ሓደ ነባሪ ናይ አካልን ህይወትን ጉድአት ከምዘጋጠመን’ውን ሓቢሮም ድምጺ ኣሜሪካ ነዚ ሓበሬታ ገና የጻርይ’ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሎ ኸሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብባርዕ ሓዊ ነዲዱ ኣብ ዝተባህለ ዓብይን አሽሓት እሱራት ኔሮም ዝተባህለ ቤት-ማእሰርቲ ኣምቦ ናይ ዝሞቱ ሰባት ሬሳ ንስድራ ቤቶም ከምዝተዋህበ ነበርቲ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቶም ነበርቲ ሬሳ ሽዱሽተ ሰባት ነፍሲ ወከፍ ስድራ 2 ሽሕ ብር እንዳኸፈለ ከምዝወሰዱ ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንጋዜጣ ሪፖርተር መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ብባርዕ ሓዊ ከምዝነደደ ኣሚኖም ግን ዝሞተ ኮነ ዘምለጠ እሱር የለን፡ ኩነታት’ቲ ባርዕ ሓዊ ኸአ ይጻረ ኣሎ ምባሎም ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

አብ ክልል ኦሮምያ ዝኻየድ ተቃውሞ ሕጂ’ውን ይቅጽል’ሎ ይብሉ ነበርቲ