ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተአሲሮም ይብል ሂማን ራይትስ ዎች


ሌዝሊ ሌፍኮው ምክትል ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ
ሌዝሊ ሌፍኮው ምክትል ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዎች ጨንፈር ኣፍሪቃ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር 12 ጀሚሩ ልዕሊ 200 ሰባት ተቐቲሎም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ተኣሲሮም ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ካብ መጠን ዝሓለፈ ሓይሊ ምጥቃሞም ደው ክብሉ፣ብዝፈቐደ ዝተኣስሩ ኩሎም ክፍትሑ ኣለዎም፤ከምኡ’ውን ቅትለትን ካልኦትን መጥቓዕትታትን ሓይሊ ጸጥታ ብገለልተኛ ኣካል ክጻረ ኣለዎ ክብል እቲ ትካል ተሓላቒ መሰላት ገሊጹ’ሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ግቡእ ሕቶ ሓቲቶም ብጌጋ ግንዛበ ዝተሳተፉ ክፍትሑ እዮም፣ናይ ምፍታሕ መስርሕ እውን ተጀሚሩ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG