ካብ ክልል ጋምቤላ ተጨውዮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሑ ህጻናት ምስ ስድርኦም ምርኻቦም ተገሊጹ

ካብ ደቡብ ሱዳን ዝተመለሱ ህጻናት ኢትዮጵያ ምስ ስድርኦም ናይ ምርኻብ ስራሕ ተጀሚሩ ክብሉ ኣማሓዳሪ ጋምቤላ ኣፍሊጦም። ወለዶም ንዝተቐተሉዎም ህጻናት ድማ መጽንሒ ቦታ ከምዝተዳለወ ተገሊጹ’ሎ።

ብነገድ ሙሩሌ ተጨውዮም ተወሲዶም ዝነበሩ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ 68 ህጻናት ኣብ ቤተ-መንግስቲ ሕዳር 29 ክጸንሑ ተገይሩ’ሎ። ምኽንያቱ እዞም ህጻናት ክንክን ሕክምና: መግቢን ዘድልዮም ብምኳኑ ኣብቲ ቤተ-መንግስቲ ክጸንሑ ከምዝተገብረ ዝገለጹ ኣማሓዳሪ ክልል ጋምቤላ አቶ ጋትልዋክ ካብ መንጎ’ቶም ቆልዑ ክልቲኦም ወለዶም ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተቐተልዎም ተፈልዮም መጽንሒ ቦታ ከምዝተዳለወሎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ካብ ክልል ጋምቤላ ተጨውዮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝጸንሑ ህጻናት ምስ ስድርኦም ምርኻቦም ተገሊጹ