`ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ የመን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን መዝጊቡ`ዩ` ኢሉ ኣህጉራዊ ውድብ ማይግርሽን
ዋሽንግተን ዲሲ —
ክሳብ ዝሓልፈ ወርሒ መጋቢት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ የመን ይሰግሩ ከምዝነበሩ፡ ብፍላይ ዝሓለፈ መጋቢት ግን፡ ገሊኦም በቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ናብ ካልእ ሃገር ናይ ምስፋር ዕድል ክኽፈተልና ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል እምነት እቲ ቑጽሪ ኣዓሪዩ ወሲኹ ምንባሩ ኣህጉራዊ ውድብ ስደትኛታት ገሊጹ`ሎ።
"`ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ የመን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን መዝጊቡ`ዩ"። ካብኣቶም ናብ ስዑድያ ንምስጋር ናብ የመን ዝኸዱ ምዃኖም `ውን ይጠቅስ።
ልዕሊ 81 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ሕጋውያን ኣስገርቲ ብጀላቡ ናብ የመን ሰጊሮም ከምዘለዉ`ውን IOM ንቪኦኤ ነጊሩ`ሎ።
ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡
Your browser doesn’t support HTML5
Ethiopians in Yemen