ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 2015 ኣስታት 4-ሽሕ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ ተገሊጹ


ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት (IOM) አብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመት 2015 ጥራይ አስታት 4000 ፍልሰተኛታትን ስደተኛታት ንማእከላይ ባህሪ ንምስጋር አብ ዘካየድዎ ፈተነ ሂወቶም ከምዝሰአኑ እዚ ዓመት ድማ አብ መዝገብ’ቲ ትካል ዝበዝሓ ሞት ዝተመዝገበላ ዓመት ተባሂሉ ምምዝጋቡን እቲ ትካል ገሊጹ።

ልዕሊ 3,770 ሰባት ነዚ ሓደገኛ ጉዕዞ ምስጋር ማእከላይ ባህሪ አብ ምፍጻም ሂወቶም ከምዝሰአኑ እዚ ድማ ነቲ አብ 2014 ዓ.ም.ፈ ዝተመዝገበ 3,270 ብምውድዳር ምኳኑ ተገሊጹ።

እቲ ዝበዝሓ ሰባት ዝሞቱሉ ወርሒ መጋቢት ክከውን ከሎ አስታት 1250 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዝሞቱ ጊዜ ክከውን ከሎ 800 ካብኦም ልዕሊ ዓቐን ሰባት ዝዘዓነት ጀልባ አብ ገማግም ሊብያ ማእከላይ ባህሪ ድሕሪ ምጥሓላ ዘጋጠመ’ዩ።

‘ብጣዕሚ ዘሰንብድን ይቕሬታ ዘይብሉን ጉዳይ’ዩ ተስፋ ዝቆረጹ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ብብዝሒ ሂወቶም ዝሰዓንሉ ዓመት ብምካኑ፡ ከጋጥም ድማ ዘይነበሮ ክስተት’ዩ’ ይብል ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ስደተኛታት ዊልያም ላሲ።

ብተወሳኺ ንሶም ዓለም-ለኸ ማህበረሰብን ዓለም ነዚ መስርሕ ስደትን ፍልሰትን ደው ከብሎ ይግባእ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG