ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝበዝሑ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን’ዮም ተባሂሉ


ትካል ህጻናት ሕ/ሃ (ዩኒሴፍ) ኣብ ቅልውላው ዋሕዚ ስደተኛታት ኣውሮጳ ዝበዝሐ ቁጽሪ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ምኳኖም ገሊጹ።

እዚ ትካል ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርት 73 ሚእታዊት ናይቶም ስደተኛታት ደቂ-ተባዕትዮ’ዩም ምባሉ ይዝከር። እንተኾነ ግን ድሕሪ’ዚ ሪፖርት እቲ ቁጽሪ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናት ስደተኛታት ክብ ከምዝበለ ይገልጽ። ብመሰረት እዚ ናይ ሕጂ ጸብጻብ ካብ ዶብ ግሪክ ሰጊሮም ናብ መቆደንያ ዝኣትው ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት 60 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ምኳኖም ይገልጽ።

ብተወሳኺ ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ዩኒሴፍ ብዝሒ ቁጽሪ ዘለዎም ህጻናትን ደቂ-ኣንስትዮን’ውን ኣብዚ ዘይውሑስ ምስጋር ባሕሪ ቱርኪን ግሪክን ከምዝሞቱ ይሕብር።

ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ( IOM) ኣብ ዝሓለፈ ወርሕ ጥራይ 60 ህጻናት ኣብ ምብራቓዊ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝሞቱ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብዚ ጉዕዞ ዝሞቱ ቁጽሪ ህጻናት ናብ 330 ክብ ኣቢልዎ’ሎ።

ወሃቢት ቃል ትካል ህጻናት ሕ/ሃ ዩኒሴፍ ሳራ ክራው ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል እቶም ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ባሕሪ ዝሰገሩ ድማ ካልእ ብድሆታት’ዮም ዝጋጥሞም፡ ኣብዚ ሃገራት ኣውሮጳ ብብዝሒ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ዘዕለቕለቓሉ እዋን እቲ ኣድላይ ዝኮነ ናይ ምኽልካል ናይ ጥዕናን ደሕንነትን ኣገልግሎት’ውን ኣይረክቡን’ዮም ዘለዉ ይብላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG