ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ በሲጀይ ዳግማይ ይእሰሩ


መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ ኪሰ ቢስጀይ ኣብ እዋን ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተአሰሩሉ ጊዜ ዝተወስደ - የካቲት. 22, 2016
መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ ኪሰ ቢስጀይ ኣብ እዋን ፕረዝደንታዊ ምርጫ ዝተአሰሩሉ ጊዜ ዝተወስደ - የካቲት. 22, 2016

መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ ኪሰ ቢስጀይ ካብ ዕለት ፕረዝደንታዊ ምርጫ 18 የካቲት,2016 ዓ.ም.ፈ ንደሓር ኣብ ትሕቲ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነጻ ሰብ ኢኻ ተባሂሎም ከብቕዑ ሎሚ ካብ ገዝኦም ኣብ ዝወጽሉ እንደገና ምእሳሮም ተፈሊጡ’ሎ።

ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ንመራሒ ተቃውሞ ኪሰ በሲጀይ ኣብ ቀንዲ ቤት-ጽሕፈት ፓርቲኦም ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ጸሎት ክካፈሉ ፈቒዶም ምንባሮም እንተኾነ ናብቲ ካብ ካምፓላ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝጉዓዝሉ እዋን ኣዝዩ ብዙሕ ሰብ ስዒብዎም። ፖሊስ’ውን ከምኡ ስዒቡ እንደገና አሲሮም ካብ ካምፓላ ወጻኢ ኣብ ዝርኸብ መደበር ፖሊስ ናጋላማ ወሲዶሞም።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ በሲጀይ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ዝኾነ ስነ-ስርዓት ብምኽፋል ከምዝተኸሱ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መራሒ ተቃውሞ ኡጋንዳ በሲጀይ ዳግማይ ይእሰሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:03 0:00

XS
SM
MD
LG