ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኡጋንዳ ንመራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ኪዘይ በዚጀይ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዮ


ፖሊስ ኡጋንዳ ንመራሒ ተቃወምቲ ኪዘ በዚጀይ ሎሚ ሶኑይ አብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታው ተፈሊጡ። ኪዘይ በዚጀይ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተካየደ ሃገራዊ ምርጫ ኡጋንዳ ዘይተዓወቱ ክኾኑ ከሎ እቲ ምርጫ ተጭበርቢሩ’ዩ ክብሉ’ውን ርእይቶም ሂቦም’ዮም።

መራሒ ተቃወምቲ ዝኾኑ ኪዘይ በዚጀይ ነቲ ምርጫ ተጭበርቢሩዩ ዝብል መጎትኦም ወግዓዊ ንምግባር ሎሚ ሶኑይ ናብ ዋና ቤት-ጽሕፈት ናይቲ ምርጫ ኮሚሽን ንምኻድ ኣብ ምድላው ከለው ፖሊስ ንቤት ጽሕፈትቲ ፓርቲ ብምኽባብ ንኺዘይ በዚጀይን ካልእ እቲ ፓርቲ ንምቁጻር ምርጫ ዝግልገለሉ ሓበሬታት ወሲዶም።

ኪዘይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብተደጋጋሚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፓሊስ እንተነበሩኳ ኣብቲ ምርጫ ካብ ምስታፍ ግን ኣይዓገቶሞን።

ብመሰረት ወግዓዊ ውጽኢት ሃገራዊ ምርጫ ኡጋንዳ 2016 ዓ.ም.ፈ ፕረዝደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ብ61 ሚእታዊት ክእወቱ ከለው ኪዘይ ድማ 35 ሚእታዊት ምርኻቦም ይሕብሩ። ፕረዝደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ብዕልዋ አብ 1986 ..ፈ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንደሓር ነታ ሃገር ን’30 ዓመታት ክመርሑ ጸኒሖምዮም። ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ምርጫ ምዕዋቶም ብምግላጽ ስልጣኖም ንኻልእ 5 ዓመታት አናዊሖሞ’ለው።

ልኡኽ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ አብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ዕብለላ መራሒ ፓርቲ ብምንቓፍ መንግስቲ ፈታኒ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ ኢሎም።

ኤምባሲ ኣሜሪካ አብ ኡጋንዳውን ኩነታት ማእሰርቲ መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ኪዘይ በዚጀይ ከምዘሻቀሎ ሓቢሩሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፖሊስ ኡጋንዳ ንመራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ኪዘይ በዚጀይ ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትዮ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

XS
SM
MD
LG