ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ነጻን ሚዛናዊን ኽኸውን'ዩ ዝብል እምነት የብለይን' እንኮ ጓል-ኣንስተይቲ ተወዳዳሪት


ኡጋንዳ ኣብ ዝመጽእ የካቲት ኣብ ተካይዶ ፕሬዝዳንታዊ ምርጫ ዝሳተፋ እንኮ ጓል ኣንስተይቲ እታ ሃገር ምስ መግዛእቲ ዘለዋ ምትእስሳር በቲኸ ነታ ሃገር ዳግም ክሃንጻ'ዩ ድልየተይ ኢለን።

ኣማኻሪት ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ዝነበራ ማውሪን ኪያላ ነቲ ህዝቢ ናብ ሓደ ከምጽኦ እውን ድልየት ኣለኒ ኢለን። ንሰን ብተወሳኺ ፕሬዝዳንት ሙሰቨኒ ምስ መራጺ ንምርኻብ ኣጸጋሚ ሕጊ ስለፈጠሩ እቲ ምርጫ ነጻን ሚዛናዊን ክኸውን'ዩ ዝብል እምነት የብለይን ኢለን።

ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ፕሬዝዳንታዊ ክትዕ ዘይምስታፎም'ውን ነቶም ፕሬዝዳንት ነቒፈንኦም። ፕረዝደንት ሙሰቨኒ ብወገኖም እቲ ክትዕ ናይ መደረ ውድድር'ዩ እዚ ድማ ንተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ዝግደፍ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG