ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ፍልሰተኛታት ሓለዋቶም ኣይፍለጥን


ፋይል- ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ
ፋይል- ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ኣውሮጳ በጺሖም። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭትን ጎነጽን ዝሃደሙ’ዮም።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት’ውን ብዙሓት ኣውሮጳ ንምእታው ይፍትኑ’ለዉ። ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ካብ ቱርኪ ግሪክ ንምብጻሕ ካልኦት ድማ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ጥልያን ንምብጻሕ ማእከላይ ባህሪ የቋርጹ። እንተኾነ ግን ካልኦት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ድማ ኣብዚ ጉዕዞ ይሞቱ ወይ’ውን ሓለዋቶም ከይተፈልጠ ይጠፍኡ።

ድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ እዞም ሓለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ‘እቶም ዝጠፍኡ ፍልሰተኛታት’ ዝብል ፕሮጀክት ኣዳልዩ’ሎ። እዚ ፕሮጀክት ብምትሕብባር ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ንዓለም-ለኸ ኮሚሽን ጉዳይ ዝጠፍኡ ሰባት ዝተዳለወ ኮይኑ ኣብ ጥቅምት 3,2013 ዓ.ም.ፈ ዝጀመረ ኾይኑ ምስ ምጥሃል ሂወት ልዕሊ 360 ተሳፈርቲ ዘጥፈአት ጀልባ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ዝጀመረ’ዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን መብዛሕትኦም ግዳያት ኤርትራዊያን፡ሶማልያዊያን ጋናዊያን ኮይኖም እታ መርከብ ካብ ወደብ ሚስራታ- ሊብያ ምብጋሳ ዝዝከር ኮይኑ ብምቅጻል’ውን ካልእ መርከብ አብ ተመሳሳሊ ቦታ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ብዘጋጠማ ምጥሓል ካልኦት 30 ሰባት ሞይቶም’ዮም።

ዳይሬክተር ትካል ማይግሬሽን -ስደተኛታት ዓለም (IOM) ዊልያም ላሲ ስዊንግ ናይ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ዕድል ተአምር’ዩ ይብሉ።

‘ዝኾነ ሰብ ክንደይ ሰባት ሞይቶም ወይ’ውን ሓለዋቶም ኣይፍለጥን ንዝብል ሕቶ መልሲ የብሉን ። እንተኾነ ግን ነቶም ክንከታተሎም ንክእል ክንግምት ንኽእል። ንኣብነት ዝሓለፈ ዓመት ብመሰረት ዘለና ጸብጻብ ልዕሊ 5,300 ዝኾኑ ሰባት ኣብዚ ጉዕዞ ስደት ሞይቶም። እንተኾነ ግን ክንደይ አብ ምድረ በዳ ሞይቶም ክንደይ ብካልእ መንገድታት ሞይቶም ንዝብል ጸብጻብ የብልናን ። ንክንፈልጦም’ውን ኣጸጋሚ’ዩ።’

ዝበዝሓ እዋን ሬሳታት እቶም ዝሞቱ ሰባት ኣይርኸብን ወይ’ውን ክልለ ኣይክእልን። ካብ 1990 – 2013 ዓ.ም.ፈ ኣብ አስታት 3,000 ጉዳይ ሰደተኛታት ብዝተካየደ መጽናዕቲ ልዕሊ ፍርቂ’ቶም ዝሞቱ ኣይፍለጡን ወይ’ውን ክልለዩ ኣይክኣሉን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ፍልሰተኛታት ሓለዋቶም ኣይፍለጥን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:34 0:00

XS
SM
MD
LG