ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አውሮጳ ንጠንቂ ስደትን ፍልሰትን አፍሪቃዊያን ንምቅራፍ $1.9 ቢሊዮን ሓገዝ ክህብ’የ ኢላ


“አብ አውሮጳ ዘለዉ ኤርትራዊያን፡ 30-40% ኢትዮጵያዊያን እዮም ዝብል ገምጋም ኣለና”

አብ ማልታ ዝተጋብዓ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት አውሮጳን ኣፍሪቃን ሕብረት አውሮጳ ንጠንቂ ፍልሰትን ስደትን አፍሪቃዊያን ንምቅራፍ $1.9 ቢሊዮን ሓገዝ ክህብየ ኢሉ። አብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ማእከላይ ባህሪ ብምስጋር ኣውሮጳ በጺሖም። ኣውሮጳ እዚ ዋሕዚ ፍልሰተኛታት ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ምኳኑ ክትገልጽ ጸኒሓ`ላ።

አብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት’ዚ ጥራይ አስታት 800 ሰባት ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር አብ ዝገበርዎ ፈተነ ከምዝሞቱ ይፍለጥ። እዚ ክስተት ነዚ ናይ ትማልን ብቅድሚ ትማልን አብ ማልታ ዝተቃንዓ ዋዕላ ማልታ ዘበገሰ ክኸውን ኸሎ ሕብረት ኣውሮጳ ነዚ ቅልውላው ዋሕዚ ስደተኛታት ንምፍታሕ 17 ገጻት ዝሓዘ መደብ ትግባረ ዝሓንጸጸ ክከውን ከሎ፡ እዚ ሓገዝ አብ ምክፋት ዕድላት ስራሕ፡ ምምዕባል አገልግሎት ጥዕናን አብ ምኽልኻል ግጭትን ዘአመሰሉ ለውጢታት አብ ሃገራት አፍሪቃ ከታኣታትው ዝዓለመ’ዩ።

ፕረዝደንት ኒጀር አብቲ ዋዕላ አብዘስምዕዎ መደረ እዚ ናይ ሕጂ ሓገዝ እኹል ከምዘይኾነ እቲ ክስተት ዓብይ ምኳኑን ስለዝኾነ ድማ ካልኦት መሻርኽቲ’ውን አብዚ ሓገዝ ክሳተፉ ጻውዒት አቅሪቦም አለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ማትዮ ረንዚ ብወገኑ እቲ ገንዘብ ውሒዱ ዝብሃል ብአሉታ ካብ ዝርእይዎ ወገናት ዝመጽእ ውሳኔታት ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተኾነ ግን ጣልያን ነዚ ሓገዝ በአወንታ ከምትርእዮን አብዚ ጉዳይ ፍልሰተኛታት መሻርኽቲ ከምዝረኸበትን አፍሪቃ ድማ ቀዳምነት ከምዝወሃባ ገሊጾም’ለው።

ንዋሕዚ ሶርያዊያን ፍልሰተኛታት ንምፍታሕ $3 ቢሊዮን ሓገዝ ንቱርኪ ተሰሊዑላ’ሎ እዚ አሃዝ ምስቲ $1.9 ቢሊዮን ንመላእ አፍሪቃ ዝተሰለዓ እኹል ኣይኮነን።
ማርታ ፎረስቲ ካብ ስግር ባሕሪ ኢንስትቱት

ብኻልእ ሸነኽ፡ አብቲ ዋዕላ ማልታ መደረ ዘስምዑ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ብወገኖም እዚ ዋዕላ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ አብ ጉዳይ ስደትን ፍልሰትን ዝተካሄዱ ዋዕላታት ዝተፈልየ ምኳኑ ጠቂሶም እዚ ድማ እቲ ጉዳይ ህጹጽ መፍትሔ ዘድልዮ ከምዝኾነ ክልቲኦም ወገናት ማለት ሃገራት ኣፍሪቃን አውሮጳን ነዚ ዝተወሳሰበን ብዙሕ ገጻት ዘለዎን ጉዳይ ፍልሰትን ስደትን ንምፍታሕ ናይ ሓባር መርገጺታት ከምዘድልየን ዝተረድእሉ`ዩ ብምባል ንውጽኢት`ቲ ዋዕላ ንኢዶም።

ሚኒስትር ዑስማን መንግስትን ህዝብ ኤርትራ ነዚ ብድሆ ስደትን ፍልሰትን ንምፍታሕ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎን ምስ ሕብረት አውሮጳን ካልኦት አባል ሃገራትን ዝካየድ ሸርክነትን ንምስራሕ ዘለዎ ድልውነትን ሰናይ ድልየትን ገሊጾም።

ምስ’ዚ ዝተሓሓዘ ዜና ኣምባሳደር ኦስትርያ አብ ኢትዮጵያ አንድርይስ መላን ናብ አውሮጳ ዝፈልሱ ኢትዮጵያዊያን ጽግዕተኝነት ንምርኻብ ኤርትራዊያን ኢና ከምዝብሉ ብተወሳኺ ብአሽሓት ዝቁጽሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ስዑዲ ዓረብን ደቡብ አፍሪቃን ከምዝስደዱ ገሊጾም። “አብ አውሮጳ ዘለዉ ኤርትራዊያን፡ 30-40% ኢትዮጵያዊያን እዮም ዝብል ገምጋም ኣለና”

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG