ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስደተኛታት ዓለም ንዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ዝጸንሓ መደብ ግብረ መልሲ ኣማሓይሽዎ


ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ዘለዉ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምፍታሕ ዝጸንሐ ናይ ግብረ-መልሲ መደቡ አብ ወርሒ ሰነ 2015 አማሓይሽዎ’ዩ። እቲ ዝተመሓየሸ መደብ አብ ወርሒ ታህሳስ 2016 ዝትግበር ምኳኑ’ውን እቲ ትካል አፍሊጡ’ሎ።

እቲ ዝተመሓየሸ መደብ ንጠለባትን መሰልን ስደተኛታት ብዝምልከት አርባዕተ ዕላማታት ዝሓዘ’ዩ። ምድሓን ህይወት ፡ መሰል ስደተኛታት ክሕሎ ምግባር፡ ጠንቂ እዚ ዘይልምዱን ፈታንን ዋሕዚ ስደተኛታት ምልላይን ዝብሉ ዕላማታት ከምዘለዉዎ አፈኛ ዓለም-ለኸ ትካል ስደተኛታት ሌዮናርድ ዶያል ንቪኦኤ አብ ዝሃብዎ ቃል ኣረዲኦም።

እቲ መደብ ንመቦቆል ሃገራት ስደተኛታት ንሃገራት ኣውሮጳን አብ መሰጋገሪ ጉዕዞ ስደተኛታት ዘለዋ ሃገራትን ዘጠቃልል’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG