ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት አፍሪቃዊያን ስደተኛታት አብ ዝኸፍአ ደረጃ አሎ ተባሂሉ


Catherine Wiesner
Catherine Wiesner

መንግስቲ አሜሪካ ምስ ዘሎ ጸገማትን ብድሆታትን ስደተኛታት አብ ዝሓለፈ ዓመት አብ ዝተፈላለየ ፕሮጀክትታት ዝውዕል ናይ 800 ሚሊዮን ዶላር ሰብአዊ ሓገዝ ከምዝሃበን ምስ ሰናይ ልግሲ ባይቶ አሜሪካ ተወሲኹ ከም ዝቅጽለሉ አብ ሚኒስትር ወጻኢ አሜሪካ ምክትል ተሓጋጋዚት ክፍሊ ህዝቢን ስደተኛታትን ካትሪን ወይነር አፍሊጠን።

ንሰን ምስ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ መደብ ቴሌቭዥን አፍሪቃ 54 አብ ዘካየደኦ ቃለ-መጠይቕ ነዚ ዝገለጻ ክኾና ከለዋ ኩነታት ስደተኛታት አብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝኸፍአ ምህላው ሓቢረን።አብዚ ግዜ’ዚ ቁጽሪ ስደተኛታት አፍሪቃ ናብ 4.8 ሚሊዮን ክብ ምባሉን ቁጽሪ አብ ውሽጢ ሃገሮም ዝተመዛበሉ ድማ 12 ሚሊዮን ምብጽሑን ሓቢረን።

“አብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ሓደስቲ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ማሊ ደቡብ ሱዳን ናይጀርያ ቡሩንዲ ምስቶም አቀዲሞም ካብ ሃገራት ሶማልያ፡ኤርትራ ዲሞክራሲያዊት ሪፖፕሊክ ኮንጎ ዝጸንሑ ከምዝተወሰኹዎም እዚ ድማ አብ ቀረብ ሰብዓዊ ሓገዝ ህጽረት ፈጢሩ” ይብላ ምስ ካትሪን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኩነታት አፍሪቃዊያን ስደተኛታት አብ ዝኸፍአ ደረጃ አሎ ተባሂሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:10 0:00

XS
SM
MD
LG