ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓልቲ ቤት ሚ/ሰላም ነበር ካብ መንበሪ ገዝኣ ከምዝተሰጎገት ትገልጽ


ምኽትል ሚንስተር ሰላም ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ
ምኽትል ሚንስተር ሰላም ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ

ፈደራል ቤት ጽሕፈት ኣባይቲ ኢትዮጵያ ንበዓልቲ ቤት ምኽትል ሚንስተር ሰላም ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ካብ ገዝኣ ከምዘውጽኣ ተሓቢሩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ም/ሚንስተር ሰላም ነበር ኣቶ ታየ ደንደኣ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ምእሳሩ`ዩ። ሕጂፈደራል ፖሊስ ከም ዝሰጎጉ ትገልጽ ኣላ። እቲ ምስጓግ ብቓል ጥራይ ከም ዝተነገራ ዝገለጸት በዓልቲ ቤት ኣቶ ታየ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ይግባኝ ኢላ ከም ዘላ ሓቢራ`ላ።

ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሓት ተዋፊሩ ኔሩ ተባሂሉ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ምኽትል ሚንስተር ሰላም ኣቶ ታየ ደንዳኣ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ካብ መዝነቱ ምልዓሉን ንዕኡ ስዒቡ ድማ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተሪር ወቐሳ ኣስሚዑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG