ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ሚንስተር ሰላም ታየ ደንድኣ ካብ ሓላፍቶም ተላዒሎም


ምክትል ሚንስተር ሰላም ታየ ደንድኣ - ፋይል
ምክትል ሚንስተር ሰላም ታየ ደንድኣ - ፋይል

ምክትል ሚንስተር ሰላም ኣቶ ታየ ደንድኣ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ መዝነቶም ከምዘልዐሉዎም ነቲ ደብዳበ ኣተሓሒዞም ገሊፆም ኣለው።

"ንክቡር ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ነቲ ስጉምቲ ብትሪ ነቒፎም።

"ሓቂ መሲሉኒ ብሽም ህልውና ሃገር ተካይዱዎ ዝነበረን ንኢትዮጵያዊያን ካብ ምቅትታል ሓሊፉ ነታ ሃገር ዘድቀቐን ከንቱ ኲናት ከዳምቐልኩም ኣብ ዝነበርኩ እዋን ትንእዱኒ ነይርኹም’’ ዝበሉ ኣቶ ታየ "ሎሚ እቲ ነገር ተረዲአ ናይ ኣሕዋት ምቅትታል ጠጠው ንክብል ምስ ሰላም ብምውጋነይ ካብ መዝነተይ ኣልዒልኩምኒ’’ ክብሉ ካብ ስልጣን ዝተልዓልሉ ምኽኒያት ገሊፆም።

ኣቶ ታየ ካብ ቀዳማይ ሚንስተር ዝተፅሓፈሎም ደብዳበ ብምትሕሓዝ ከምኡ እንተበሉ እውን ክሳብ ሕጂ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚንስተር ይኹን ካብ ካልእ መንግስታዊ ኣካል ኣብዚ ጉዳይ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን። ምላሽ ምስረኸብና ክንምለሶ ኢና።

ብፊርማ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ብምግላፅ ብኣቶ ታየ ደንድኣ ወግዓዊ ዝተገበረ ደብዳበ ‘’ካብ 28 መስከረም 2014 ጀሚሩ ምክትል ሚንስተር ሰላም ብምዃን ንዘበርከቱዎ ኣበርኽቶ እናመስገንኩ ካብ 1 ታሕሳስ2016 ጀሚሩ ካብ ሓላፍነት ዝተልዓልኩም ምዃንኩም እፍለጥ’’ ይብል።

ኣቶ ታየ ኣብ ሓላፍነት እናሃለው እውን ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት ንዝነበርሉ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ብምንቃፍ ይፍለጡ።

ኣብ ቀረባ’ኳ "ውግእ ጠጠው ይበል፤ ሰላም ይስፈን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምኽልካሉ ብምምልካት "ናይ ኲናት ከበሮ ኣብ ዝወቓዕናሉ ኣደባባይ ዜጋታት ብሰላማዊ ሰልፊ ኣቢሎም ኲናት ከይቃወሙ ምኽልካል ሕማቕ ትርጉም ይህብ እዩ’’ ክብሉ ኣፈላላዮም ምግላፆም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG