ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ምክትል ዝነበሩ ታየ ደንደኣ ተኣሲሮም


(ስእሊ ፋይል)
(ስእሊ ፋይል)

ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም፡ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ስልጣን ምልቃቕ ትማሊ ዘካፋሉ ሚኒስተር ዲኤታ (ምክትል ሚኒስተር) ነበር ታየ ደንደኣ፡ ሎሚ ሰሉስ ከም ዝተኣስሩ ንህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ዝከታተል ግብሪ-ሓይሊ ኣፍሊጡ።

ትማሊ፡ ድሕሪ ካብ ስልጣን ምእላዮም ኣብ ማሕበራዊ ገጻቶም፡ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ “ብደም ሰብ ዝጻወት ጨካን” ኢሎም ብምጥቃስ፡ ኣካል እቲ ምምሕዳር ክዀኑ ከም ዘይደልዩ ጽሒፎም ነይሮም።

እቲ ሓይሊ ዕማም ብዛዕባ ማእሰርቶም ኣመልኪቱ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ታየ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብምትሕብባር መንግስቲ ንምግልባጥ ፈቲኑ፡” ክብል የቐምጥ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብ መንበሪ ቤት ኣቶ ታየ ብዝተገብረ ተፍትሽ፡ ከላንሽንኮቭ ዝርከቦ በበይኑ ዘይሕጋዊ ንብረት ከም ዝተረኽበ የመልክት።

ድምጺ ኣመሪካ ካብ ስድራቤት ኣቶ ታየ ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝገብሮ ፈተነ ዛጊት ኣይሰለጠን። ክሳብ ሕጂ ጠበቓ ስለ ዘይገበሩ ድማ ንሕጋዊ ወኪሎም ምዝራብ ኣይተኻእለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG