ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ም/ሚንስተር ታየ ደንደኣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ተገሊጹ


ኣቶ ታየ ደንድኣ
ኣቶ ታየ ደንድኣ

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቐይዲ ዝኣተው ምክትል ሚንስተር ሰላም ኣቶ ታየ ደንዳኣ፣ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ገሊጸን።

ወ/ሮ ስንታየሁ ኣለማየሁ ንድምጺ ኣመሪካ በዓል ቤተን ኣቶ ታየ ብሓይልታት ፌደራል ካብ ዝተታሓዝሉ ጊዜ ጀሚሩ፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሜክሲኮ ዝርከብ ፌደራላዊ ቤት ማእሰርቲ ከምዝርከብ ሓቢረን።

ኣቶ ታየ ደንዳኣ ክሳብ ሎሚ ረቡዕ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ኣብ ቀጻሊ ክቀርበሎም ዝኽእል ክሲ ትሕዝቶ’ውን ዝገልጸለን ሰብ ከምዘይረኸባ ወ/ሮ ስንታየሁ ሓቢረን።

ንትሕዝቶ ክሲ ኣቶ ታየ ኣመልኪቱ ካብ ፌደራል ፖሊስ ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝተካየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG