ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሱዳን ግጭት ቀጺሉ'ሎ


ኣብ መንጎ ሓይልታት ክልቲኦም ጀነራላት ዝካየድ ውግእ ኣብ ድሮ ምዝዛም ጾም ሮመዳን`ውን ዝሃደአ ኣይመስልን፡ሎሚ ሓሙስ`ውን ኣብ ከተማ ካርቱም ፍንጀራታትን ተኹስን ክስማዕ ውዒሉ`ሎ።

ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ብዝተወልዐ ኩናት ኣስታት 300 ሰባት ሞይቶም። ብኣዛዚ ሓይልታት ውግእ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሓንን ኣዛዚ ፍሉይ ተወርዋሪ ወይ ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍ ሓይሊ ዝኾነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ(ሒሜቲ) ዝምርሑ ክልተ ሓይልታት፡ ናይ ምእዳብ ምልክት ኣይረኣዩን።

እቲ ዝኸፈአ ኲናት ድማ ኣብታ 5-ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ርእሰ ከተማ ካርቱም ምዃኑ ዝያዳ ሓደገኛ ጌርዎ`ሎ። ብዙሓት ብዘይ ማይን ኤለክትሪክን ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ይርከቡ።

ትማሊ ረቡዕ ን24 ሰዓታት ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ተገይሩ ኔሩ፡ እንተኾነ ሎሚ ድማ ዳግም ደጊሱ፡ከም ሓበረታ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ከባብታት መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ማእከላይ እዚ ምክልኻልን ከቢድ ተኹሲ ይስማዕን ጸሊም ትኪ ክዕብለኽን ይርእይ ኔሩ። ሓይልታት ሒሜቲ ከምኡ`ውን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ን24 ሰዓታት ተኹሲ ደው ክነብል ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጺኦም ኔሮም፡ እንተኾነ ተኹሲ ኣየቋረጸን። እቶም መሰኻኽር እቲ ውዕል ድሕሪ ደቓይቕ ከም ዝፈረሰ`ዮም ዝምስክሩ።

ኣብታ እዋን ምቁራጽ ተኹሲ ግን፡ ነበርቲ ገለ ኣስቤዛ ክገብሩ ፈቲኖም ኔሮም- ካብ ቦጣት ማይ ክመልኡ በራሚል ከንከራርዉን ጎማታት ማይ ክመልኡን ከምኡ`ውን መስረታዊ ሸቐጣት ክሽምቱን ተጓይዮም።ንኣሾሸይትድ ፕረስ ዝተዛረበ ነባሪ ካርቱም መሓመድ ቃስም “ከቢድ ጸገም ማይ ኣለና። ሰብ ይሳቐ`ሎ” ይብል ።

ሎሚ ሓሙስ ንህይወቶም ዝሰግኡ ሱዳናውያን ድማ ካብታ ከተማ ክሃድሙ ይረኣዩ ኔሮም። ኣብ ኢዶም ክሕዝዎ ዝኽእሉ ሒዞም ካብ ከተማ ካርቱም ምውጻእ ዝሓሸ ኣማራጺ ምዃኑ ይርኣዮም።

ካብ ግጭት ብርሓንን ምኽትሉ ዳግሎን ንምህዳም ካብ ካርቱም`ውን ኣሸሓት ወጽዮም`ዮም። ክልቲኦም ጀነራላት ብቐንዱ ዘጋጨዎም፡ እቶም ናይ ዳግሎ ወይ ሒሜቲ ፍሉያት ሓይሊ ናብቲ ስሩዕ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ይእተዉ ዝብል`ዩ። እቲ ውህደት ካብ መንጎ ረቛሒታት ምምስራት ደሞክራሲያዊ ስግግር ሓደ`ዩ ኔሩ።

ጽባሕ ዓርቢ ምዝዛም ጾም ሮመዳን ዝብሰረሉ ዝዓበየ በዓል ሰዓብቲ እስልምና'ዩ። ኣብዚ ዒድ`ኳ ኲናት ዝግ ክብል ብዙሓት ይምነዩ። “ኣብዚ በዓላት ዒድ ኲናት ደው ክብለልና ንምነ- እንተኾነ ደው ዝብል ኣይመስለንን” ይብል ዓበደላ ዝተባህለ ነባሪ ደቡባዊ ካርቱም- ብተስፋ ምቑራጽ።

ተዋጋእቲ ጀነራል ሒሜቲ፡ ኣብ ብረት ዝጸዓና መካይን ተወጢሖም ኣብ ጽርግያታት ካርቱም ክሽክርከሩን- መፈተሺ ነቑጣታት ዘርጊሖም ዝኣቱን ዝወጽእን ክቆጻጸሩን ይርኣዩ።

ሆስፒታላት ካርቱም ኣብ መንቀራቕሮ ተኹሲ ኣትየን-ዝቖሰሉ ምሕካም ከቢድወን ኣሎ። ኣብ ካርቱምን ካልኦት ጎረባብቲ ግዝኣታትን ዝርከባ 70 ዝኾና ሆስፒታላት ብሰንኪ ኩናት ስራሕ ደው ከም ዘበላ ኣመልኪተን ኣለዋ።

ዛጊት ዝሞቱ 270 ምዃኖም ኣብ ካርቱም ንዝርከቡ 14 ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮታት ብምውካል ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ`ሎ፡ ሓደ ጉጅለ ሓካይም ግን እቲ ቁጽሪ ልዕሊኡ ምዃኑ ይገልጽ።

ብዙሓት ሃገራት፡ ኣሸሓታት ዜጋታተን ካብ ሱዳን ንምውጻእ ይዳለዋ`ለዋ-እንተኾነ ብሰንኪ ዘየባሪ ግጭት እቲ ናይ ምውጻእ ጻዕርታተን ጠጠው ኢሉ ይርከብ ኣሎ።

ቡርሓንን ዳግሎን ነቲ ን30 ዓመት ዝመርሐ ምልካዊ ስርዓት ዑማር ኣልበሽር ሓቢሮም ድሕሪ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣብ 2019 ዓልዮሞ። ኣብ 2021 ድማ፡ ክልቲኦም ጀነራላት ተሓባቢሮም፡ ነቲ ኣህጉራዊ ድጋፍ ዝረኸበ መሰጋገሪ መንግስቲ ገልቢጦም ባዕሎም ክመርሑ ጀሚሮም። ሕጂ`ውን ናብ ደሞክራሲያዊ መሰጋገሪ ክሰርሑ ጸኒሖም- ኣብ መወዳእትኡ ግን ነንሕድሕዶም`ውን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ከቢድ ወተሃደራዊ ረጽሚ ኣትዮም። ሚልዮናት ሱዳናውያንን ስደተኛታትን ዝነብሩላ ርእሰ-ከተማ ካርቱም ናብ ዓውዲ-ኩናት ተቐይራ ትርከብ።

ብዝተኣሳሰር ዜና፡ 320 ዝኾኑ ወተሃደራት ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ናብ ጫድ ከም ዝሃደሙ ንያሚና ኣፍሊጣ`ላ። ሚንስተር ምክልኻል ጫድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እቶም ወተሃደራት ናብ መሬትና ኣትዮም ኣለዉ፡ ዕጥቆም ኣፍቲሕና፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲናዮም ኣለና” ኢሉ። ጀነራል ዳውድ ያያ ብራሒን፡ እቶም ወተሃደራት ብናይ ሒሜቲ ፍሉይ ሓይሊ ከይቕተሉ ፈሪሖም ናብ ጫድ ምህዳሞም ጠቒሱ`ሎ።

ጫድን ሱዳንን ብናይ 1000 ኪ.ሜ ንውሓት ዶብ ዝራኸባ እንተኾና`ኳ ፡ ጫድ ዶባታ ከም ዝዓጸወት ትገልጽ ኣላ። ሓደ ሺሕ ኪሎ ሜተር እሞ ከኣ መብዛሕቲኡ ምድረበዳ ምዕጻው ዳርጋ ዘይክኣል ምዃኑ ገለ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG