ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራብዓይ ፈተነ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሱዳን ኣይተዓወተን


ኣብ ሱዳን ቀዳም ጀሚሩ ዝቐጸለ ውግእ፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ምቍራጽ ተጻብኦታት’ውን እንተተገብረ፡ ገና ግን ኣይዓረፈን። ሎሚ ሓሙስ ኣብ ካርቱም መጠናዊ ርግኣት እኳ እንተ ወዓለ፡ ሓሓሊፉ ዝቕጽል ምልውዋጥ ተዅሲ ግን ቀጺሉ ውዒሉ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ፡ ብመገዲ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ውድብ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣቢሉ ሕጂ’ውን ንኽልተ ተጻባእቲ ኣካላት ንምቍራጽ ተጻብኦታት ይጽውዕ ኣሎ።

ነበርቲ ካርቱምን ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ዝረኣየን ዘሎ ዓበይቲ ከተማታትን ዛጊት ንደገ ወጺኦም መሰረታዊ ቀረባት ንምግዛእ ተጸጊሞም ምህላዎም ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣብ ርእሲኡ ስእነት ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ምዕጻው ሆስፒታላትን ስርቂን ተወሲኹዎ፡ ናብ ዝኸፍእ ሰብኣዊ ቅልውላው የምርሕ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ከም ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብስእነት ቀረባት፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ 16 ሆስፒታላት ስራሐን ደው ኣቢለን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG