ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መሮዊ ዝጸንሑ ግብጻውያን ወታሃደራት ንዓዶም ተመሊሶም


ፋይል
ፋይል

ብሰራዊት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ፡ ኣብ መሮዊ ተታሒዞም ዝጸንሑ 177 ወታሃደራት ግብጺ ብነፋሪት ተላዒሎም ንዓዶም ከም ዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣስፊሩ። እቲ ኣገልግሎት ዜና ንወግዓዊ ምንጭታት ሚኒስትሪ ምክልኻል ብምጥቃስ ከም ዝሓበሮ፡ ካብ ዶንጎላ ዝተባህለ ሰሜናዊ ምብራቕ ከተማ ሱዳን ብኣርባዕተ በረራታት ነፈርቲ ግብጺ ተወሲዶም ኣለዉ።

ሰብ-መዚ ግብጺ፡ ወታሃደራቶም ኣብቲ ቦታ ንሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ምኻዶም ይገልጹ። ብጀነራል ሒሜቲ ዝምርሑ ሓይልታት ህጹጽ ወሃብ ድጋፍ ግን እቶም ሰራዊት ግብጺ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ክሕግዙ ድሕሪ ምልኣኾም፡ ኢዶም ከም ዝሃቡ ምስልታት ቪድዮ ኣሰናዮም ከካፍሉ ጸኒሖም።

ግብጺ ግን ነቲ ክውረ ዝጸንሐ ብምንጻግ፡ ኣብ ምምላሶም ትሰርሕ ምህላዋ ኣፍሊጣ ነይራ።

XS
SM
MD
LG