ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን፤ ተብግሶታት ምቍራጽ ተጻብኦ ኣይተዓወተን፣ ጎንጺ ንሓሙሻይ መዓልቱ ቀጺሉ


ብኣመሪካ ዝተበገሰ ምቍራጽ ተጻብኦታት ሱዳን ኣይተዓወተን። ሎሚ ረቡዕ ድማ ደብዳብ ነፈርቲ’ውን ዝተሓወሶ መጥቃዕታት ኣብ ካርቱም ቀጺሉ ውዒሉ።

ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን፡ መዕርፎ ነፈርቲን ሎሚ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነታጕ ክስማዕ ውዒሉ ኣሎ። ኣመሪካ እትርከበን ሃገራት፡ ሲቪላውያን ህዝቢ ካብቲ ተዓቚቦምብሉ ዘለዉ ቦታታት ንኽወጽኡን ቀረባት መግቢ ክዳሎን ናይ 24 ሰዓታት ምቍራጽ ተዅሲ ዝኣመሙዎ ኣይሰለጠን። ነቲ ናይ ምቍራጽ ተጻብኦታት ስምምዕ ሓይልታት ወሃብ-ድጋፍ ከም ዝሰበሩዎ ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ይኸስስ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ሰራዊት ሕሜቲ ኣብ ምዝራፍ፡ ዓመጽን ምቅጻል ዕዳጋን ተዋፊሮም ኣለዉ ክብል ይወቅስ።

ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ዛጊት ልዕሊ 270 ዜጋታት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2600 ድማ ቆሲሎም። ምስቲ ዘሎ ጸገማት መራኸቢታት ግን እዚ ኣሃዝ’ዚ ዝተማልአ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ሰራሕተኛታት ግዳይ መጥቃዕቲ ምዃኖም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ዝርዝር ናይቲ መጥቃዕቲ ግን ኣይሃበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ጃፓን ኣብ ሱዳን ንዝርከቡ 60 ዜጋታታ ንምውጻእ ትዳሎ ኣላ። ኣብ መንጎ’ቲ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ካርቱም ተዓቚቦም ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሑ 89 ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ሰራዊት ምክልኻል ትማሊ ሰሉስ ናጻ ከም ዘውጽኦም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣስፊሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘስፈሮ፡ ተደጋጋሚ ምቍራጽ ሓይሊ መብራህቲ ብምህላዉ፡ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ። ኣብ ርእሲኡ ሓያሎ ኣገልግሎት’ውን ስለ ዝተቛረጸ፡ ምስ ጾም ሮሞዳን እቲ ዝዓበየ ሽግራት ኣኸቲሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG