ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጎንጺ ሱዳን ኣብ ራብዓይ መዓልቱ፤ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ንምቍራጽ ተዂሲ ይጽውዕ


ጎንጺ ሱዳን ኣብ ራብዓይ መዓልቱ፤ ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ንምቍራጽ ተዂሲ ኣብ ሱዳን ይጽውዕ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:14 0:00

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ንምቁራጽ ተዂሲ ኣብ ሱዳን ይጽውዕ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስ መራሕቲ ክልቲኦም ተቐናቐንቲ ወገናት ሱዳን ብስልኪ ተዘራሪቡ፡ ንሓጺር ግዜ`ውን እንተኾነ ንምቁራጽ ተኹሲ ክሰማምዑ ጸዊዑ። ብሊንክን ነቲ ጻዊዒት ዘቕርብ ዘሎ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማት ኣመሪካ ተኹሲ ድሕሪ ምኽፋቱ`ዩ።ኣንተኒ ብሊንከን በቲ ተኹሲ ዝተጎድአ የለን፡ ግን እቲ ኩነታት ህጹጽነት ምቁራጽ ተኹሲ ዝጠልብ`ዩ ኢሉ ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ምስ ኣዛዚ ሓይልታት ውግእ ሱዳን ጀነራል ዓበድልፈታሕ ቡርሓንን ምስ ኣዛዚ ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይሊ ወሃቢ ድጋፍ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ኣብ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ን24 ሰዓታት ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እንተገይሮም`ውን ንዝነውሐ ስምምዕ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት`ዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማት ዝግበር ተኹሲ ግን ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።

"ሎሚ ንግሆ ምስ ጀነራል ሐመቲን ጀነራል ቡርሓንን ብስልኪ ተዘራሪበ ኔረ። ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማት ዝግበር ዝኾነ መጥቃዕቲ ኮነ ስግኣት ቅቡል ከም ዘይኮነ ንጹር ጌረ`ለኹ። እቲ ዘጋጠመ ኩነታት`ውን ይጻረ`ሎ። ዘለና መባእታዊ ጸብጻብ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ብደገፍቲ ሐመቲ ማለት ፍሉይ ተወርዋሪ ሓይሊ ድጋፍ`ዩ። ምስ ጀነራል ሐመቲ ኮነ ምስ ጀነራል ብርሓን ኣብ ዝግበርክዎ ዝርርብ፡ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማትና ዝግበር መጥቃዕቲ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣነጺረ ኣለኹ።"

ኣብ ሱዳን ዝተወልዐ ኲናት ደው ክብል ኣህጉራዊ ጻዊዒት ቀጺሉ`ሎ። ኣብ ጃፓን ዝተኣከቡ መራሕቲ ጉጅለ-7፡ እቲ ኲናት ንድሕነት ህዝቢ ሱዳን ኣብ ሓደጋ ዘእተወን ንደሞክራሲያዊ ስግግር ሱዳን ንድሕሪት ዝመልስን ስግኣት`ዩ ብምባል ነቲ ተግባር ዝኹንን ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ኣለዉ።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት ዛጊት በቲ ግጭት ዝሞቱ ሲቪላት ናብ 200 ተጸጊዖም ኣለዉ። ነበርቲ ካርቱም፡ ነፈርቲ ኲናትን ድምጺ ተኹሲ ጸረ-ነፈርቲን ክሰምዑ ከምዝሓደሩ ይገልጹ`ለዉ።

ኣንተኒ ብሊንከን ኣብቲ ናይ ጃፓን ኣኼባ ዘረብኡ፡ እዚ ፍኑው ዝኾነ ወተሃደራዊ ዕንደራ፡ ንህዝቢ ሱዳን ንዲፕሎማትን ንሰራሕተኛታት ረድኤትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዘይሓላፍነታዊ ስጉምቲ`ዩ ኢልዎ`ሎ።ብሊንከን ነቶም መራሕቲ ጉጅለ-7 ሃገራት ክዛረብ ከሎ ሕጂ ዝኸፈአ ብድሆ ኮይኑና ዘሎ፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን`ዩ:እዚ ኲናት ሱዳን ክዓርፍ ግድን`ዩ ኢሉ።

ጎንጺ ሱዳን፡ ነቲ ድሕሪ ናይ 10`ታት ዓመታት፡ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምላስ ዝነበረ ተስፋ ኣጸልሚቱ፡ ሱዳን ናብ ኲናት ሕድሕድ ከይትኣቱ ኣብ ስግኣት ኣውዲቑ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ ክልቲኦም ሓይልታት ሱዳን ናብ ጠረጴዛ ዘተ ክምለሱ ጸዊዑ`ሎ። “ ሱዳን ብዙሕ ቃንዛን ስቅያትን ተጻዊራ`ያ፡ ሕጂ ብሰንኪ ንስልጣንን ውልቃዊ ረብሓን ዝግበር ጸወታ፡ ሃንቀውታ ህዝቢ ሱዳን ክበንን የብሉን” ኢሉ ቮልከር ቱርክ።

ብዛዕባ ፈተነ ጾታዊ ዓመጽ`ውን ሓበረታ ኣለና ዝበለ ቮልከር ቱርክ፡ ፫ተ ሰራሕተኛታት ረድኤት ዝርከብዎም ኣብ ሲቪላት ዝተፈጸመ ቅትለት ክምርመር ኣተሓሳሲቡ።

ዒስማ`ኢል Kኡሽኩሽ፡አየ ዊትነሽ

ናብቲ ሎሚ ውዕሎ ኩናት ምስ እንምለስ ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ካርቱም ከባቢ ፕረሲደንታዊ ህንጻ ከቢድ ምትዃስ ከም ዝወዓለ መሰኻኽር ይሕብሩ`ለዉ።

እስማዒል ኩሽኩሽ፡ ንጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ፣ ንሲ፡ኤን፡ኤን ከምኡ`ውን ንድምጺ ኣመሪካን ንኣልጀዚራን ዝጸብጸበ ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብ ካርቱም ኮይኑ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ፡ ንሱ ካብቲ ፕረሲደንታዊ ህንጻ፡ ሰለስተ ብሎክ ርሒቑ ከምዝቕመጥን፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ`ቲ ከባቢ ከቢድ ተኹሲ ቀጺሉ ከምዘሎን ሓቢሩ።

እቲ ከባቢ ዝያዳ በቶም ናይ ሒመቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝዕብለል ከም ዝኾነ ዝገለጸ ጋዜጠኛ እስማዒል፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ነፈርቲ ጸረ፡ነፈርትን ታንክታትን ድምጺ ከምዝስማዕ ሓቢሩ። ትማሊ ሰኑይ ብፍላይ ከቢድ ኩናት ከምዝወዓለ`ውን ጠቒሱ`ሎ።

ኣብ ካርቱም ኣብቲ ህዝቢ ብጻዕቒ ዝነብረሉ ከባብታት ብዝካየድ ዘሎ ግጭት ዳርጋ ፪፻ ከም ዝሞቱን ኣስታት ፩፣፹0 ከምዝቖሰሉን ዝገለጸ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣሸሓት ብዘይ ማይን ኤለክትሪክሲትን ብዘይ መድሃኒትን ተቐርቂሮም ኣለዉ ኢሉ። ክልቲኦም ኣዘዝቲ፡ ወተሃደራቶም ንሲቪላት ንዘይምጥቃዕ ኣህጉራዊ ሕግን ውዕላትን ንከኽብሩ ክነግርዎም ከምዝግባእ`ውን ኣዘኻኺሩ`ሎ።

፨፨፨፨፨፨

XS
SM
MD
LG