ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ናይጀርያ ይበጽሑ


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ናይጀርያ
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ናይጀርያ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጀመርዎ መገሻ ብምቅጻል ሎሚ ናይጀርያ ኣትዮም። ንሶም ነዚ ናይ ኣፍሪቃ መገሻ ይፍጽሙ ዘለው ስግኣት ጸጥታ ኣብ ዝበርተዓሉ፣ ጽልዋ ሩስያ ኣብ ዝሰፍሓሉን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዕልዋ ኣብ ዝበዝሓሉን ጊዜ እዩ።

ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣመሪካ፣ ሓያል ናይ ጸጥታ መሻርኽቲ ናይጀርያ ኮይና ክትቅጽል እያ ኢሎም።

ኣመሪካ፣ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን፣ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ፣ ናይጀርያ ንቦኮ ሓራም ሓዊስካ ኣንጻር ግብረሽበራ ንእተካይዶ ቃልሲ ኣብ ምሕጋዝ ከምዝጸንሓ ዝዝከር እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG