ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ግብጺ ይበጽሑ


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ካይሮ ግብጺ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ተራኺቡ፡ተዘራሪቡ። ዝርርቦም ብዛዕባ ምብቃዕ ኵናት እስራኤልን ሓማስን ከምኡ`ውን ብዛዕባ ምፍታሕ ዝተረፉ ጅሆን ምንባሩ ተጠቒሱ`ሎ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤማውያን ማሕሙድ ዓባስ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ድሕሪ ምርኻቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ`ዩ። ዓባስ ምስ ፕረዚደንት ኣል-ሲስን ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ካልኣይን ተደጋጋሚ ርክብ ኣካይዱ ኔሩ`ዩ።

ግብጺ ድማ ኣብቲ ዝሓለፈ ዝተገብረ ምቁራጽ ተኵስን ምፍታሕ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጅሆን 240 ፍልስጤማውያንን፡ ዕዙዝ ተራ ምጽዋታ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። መራሕቲ ዮርዳኖስ ግብጽን ፍልስጤማውያንን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንስምምዕ ምቁራጽ ተኵስን ምሕላው ፍልስጤማውያን ሲቪላትን ጸቕጡ ከሐይል ዝጽውዕ ሓደ ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም ኔሮም።

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንያሚን ነተንያሁ ብወገኑ ትማሊ ረቡዕ እስራኤል ንቓዛ ብቀዋምነት ንምቁጽጻር ኮኑ ንሲቪላት ናይ ምፍንቓል ዕላማ የብላን ኢሉ።

“ንጹር ክገብሮ ዝደሊ እስራኤል ምስ ኣሸባሪ ሓማስ እምበር ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ባእሲ የብላን” ዝበለ ነታንያሁ፡ ሰራዊቱ ጉድኣት ዝበጽሖም ሲቪላት ንምንካይ ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቡ።

እስራኤል፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ ዘሎ ኩነታት ንምግምጋምን ዝተፈናቐሉ ፍልስጤማውያን ክምለሱ ውሑስ እንተኾይኑ ንምርኣይን ናብቲ ቦታ ክኣቱ ኣፍቂዳ`ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG