ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ሃገሮም ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሽርክነት ከተዕብይ ዘለዋ ተወፋይነት ገሊጾም


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ኣይቨሪኮስት
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ኣይቨሪኮስት

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምብጻሕ ዘካይዱ ዘለው ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ትማሊ ናብታ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2023 ተተኣናግድ ዘላ ኣይቨሪኮስት ኣብ ዝኣተወሉ ኣብቲ ግጥም ኩዕሶ እግሪ'ውን ዝካየደሉ ስታድየም'ውን በጺሖም ።

ነዚ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደቶም ትማሊ ሰኑይ ብኬብ-ቨርደ ዝጀመሩ ብሊንከን ድሕሪ ናይ ኣይቨሪኮስት ምብጽሖም ናብ ናይጀርያን ኣንጎላን ከምርሑ'ዮም።

ምስ ፕረዚደንት ኣይቨሪኮስት ኣለሳኒ ኦታራ ዝተዘራረቡ ብሊንከን ሃገሮም ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለዋ ሽርክነት ከተዕብይ ዘለዋ ተወፋይነት ብምግላጽ ሃገራት ኣፍሪቃ "ቀንዲ ዓለምለኸ ሳዕቤን ይኾና ኣለዋ" ኢሎም።

ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣብ ኣቢጃን ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ርክቦም ክልቲኣዊ ንግዳዊ ዝምድና ኣብ ምዕባይ ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዕድላት ስራሕ: ወፍሪ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ከምኡ'ውን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ስግኣት ጸጥታ ምብዳህ ዝብሉ ዛዕባታት ምዝታዮም ሓቢሮም።

ኣፍሪቃ ራይስ ኣብ ዝተባህለ ትካል ዘዳለወ እንግዶት ውሕስነት መግቢን ቁጠባዊ ምዕባለ ዝተረኽቡ ኣብ ኣይቨሪኮስት ዝበጽሑ ዘለው ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ኣብ ውሕስነት ዘለዎ ፍርያት ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ንዒዶም። ኣፍሪቃ ራይስ ኣብ ቀረባ ዓመታት ንዘካይዶ ምውሳኽ ፍርያት ንለውጢ ክሊማ ዝጻወሩ ፍርያት ኣብ ምፍራይ ዘሰርሕዎ ስርሓት'ውን ንዒዶም።

ብሊንከን ኣብቲ ርክብ ኣፍሪቃ ውሕስነት ዝህብ ወፍሪ ዝብል ጉዳይ ቀንዲ ዛዕባ ምንባሩ ገሊጾም።

ብሊክን ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘካይዶ ስርሓት'ውን ሓቢሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG