ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ ኣለው


ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ናይ ኬብ-ቨርደ መዘነኦም ኣብ ኬብ-ቨርደ
ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ናይ ኬብ-ቨርደ መዘነኦም ኣብ ኬብ-ቨርደ

ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓምም ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንክ ሎሚ ሰኑይ 22 ሰኑይ 2024 ብኬፕ-ቨርደ ጀሚሩ ኣሎ። ምስ መራሕቲ ኬፕ-ቨርደ ድሕሪ ምርኻብ ናብ ኣይቨሪኮስት ዝቐንዑ ብሊንከን፡ ቀጺሉ ናብ ናይጀሪያን ኣንጎላን ክበጽሑ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

ዑደት ብሊንከን፡ ነቲ ብተደጋጋሚ ዕልዋን ከቢድ ጽልዋ ሩስያን ዝርኣየሉ ዘሎ ዞባ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣመሪካ ምስቲ ዞባ እትገብሮ ጽምጾ ንምሕያል ምዃኑ ዴስክ ኣፍሪቃ ናይ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ይሕብር።

ዑደት ብሊንከን ካልኣይ ዙር ርክብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ንምሕያል’ውን’ዩ። ኣብ መንጎ ርዋንዳን ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ብሊንከን ምዃኑ’ውን ሮይተርስ ኣስፊሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG