ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ልዕሊ 800 ሰበ-ስልጣንን ሓለፍትን ካብ መዝነቶም ምትሓቱን ምእላዩን ገሊጹ


ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ በብብርኩ ዝተኻየደ ግምገማ ስዒቡ ሓላፍነቶም ኣይፈጸሙን ዝተባህሉ ልዕሊ 800 ሰበ-ስልጣንን ሓለፍትን ካብ መዝነቶም ምእላዩን ካብ መሪሕነቶም ትሕት ኢሎም ክሰርሑ ዝብል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈጥረ ተቃውሞ ስዒቡ ኣብቲ ክልል ቁጽሪ ካብ ደረጃ መዝነቶምን ሓላፍነቶም ዝትሕቱን ዝባረሩን ሰባት ወሲኹ’ሎ።

ኣብ ኦሮምያ ግቡእ ዝኾነ መረረ ህዝቢ ከምዘሎ ዝአመኑ መንግስታት’ቲ ክልልን ፈደራልን መበገሲ’ቲ ተቃውሞ ጸገም ሰናይ ምሕደራ’ዩ ብምባል ደጋጊሞም ገሊጾም’ዮም።

ነዚ ጸገም ተሓተቲ’ዮም ኣብ ልዕሊ ዝበልዎም ኣካየድቲ ስራሕ ዝውሰድ ስጉምቲ’ውን ከምዝቕጽል ሓላፊ ቢሮ ክልል ኦሮምያን ኣባል ካቢነን ኣቶ ፍቃዱ ተሰማ ገሊጾም። ኣቶ ፍቃዱ ትማሊ ንመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ቃል ቁጽሪ እቶም ስጉምቲ ዝተወስዶም ሰባት ክውስኽ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG