ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ካብ ኣዋጅ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ንሰለስተ ዓንቀጻት ሰሪዙ


ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ መበገሲ ተቓውሞ ምዃኖም ዝእመነሉን ቅድም ክብል ዘጸደቖን ኣዋጅ ንሰለስተ ዓንቀጻት ምስራዙ ገሊጹ።እቶም ዓንቀጻት ዝተሰረዙ ህዝቢ ሕቶ ስለዘልዓለ ምዃኑ ናይቲ ክልል ወሃቢ ቃል ኣፍሊጦም።

ናይ ኦሮሚያ ቤት ምኽሪ /ጨፌ ኦሮሚያ/ ሎም ቅነ ኣብዘካየዶ ኣኼባ እዩ ካብ ኣዋጅ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ንሰለስተ ዓንቀጻት ሰሪዙ’ሎ።ናይዚ ምኽንያት ካብ ግንዛበ ምንኣስ ኣብቲ ሕብረትሰብ ዝተፈጥረ ምጥርጣር ንምውጋድ ምዃኑ ናይ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽንን ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ተቓዋሚ ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ግን እቲ ኣዋጅ ህዝቢ ስለዘይተዘራረበሉ ምሉእ ብምሉእ ክስረዝ ኣለዎ ኢሉ’ሎ።።

ዋላ’ዃ ጠቓሚ እንተኾነ እቲ ህዝቢ ክሳብ ዘይደለዮ ደው ክብ ኣለዎ ክብል ናይቲ ክልል ቤት ምኽሪ ምውሳኑ ኣቶ ፈቃዱ ይገልጹ።

ካብዝተዘረዙ ኣንቀጻት ሓደ ውህደት ከተማታት ዝምልከት እዩ።

ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚ ሕጂ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያን ናይ ሓባር ማስተር ፕላን ተግባራዊ ንከይኸውን ምውሳኑ ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG