ዋሽንግተን —
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቓነዖ ኣኼባ፡ ነቲ ብተቓለስቲ ሑቲ ካብ የመን ዝረኣ ዘሎ መጥቃዕታት መራኽብ ቀይሕ-ባሕሪ ብምዅናን ውሳነ የሕሊፉ። እቲ ብጃፓን ዝቐረበ ንድፊ፡ እቶም ተቓለስቲ ነቲ ጽዑቕ መስመር ንግዲ ይጻብኡ ስለ ዘለዉ ብቕልጡፍ ደው ከብሉ ዝጽውዕ’ዩ።
ኣብቲ 15 ቀወምቲን ግዜውያንን ኣባላት ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፤ ሩስያ፡ ቻይናን ካብ ቀወምቲ ኣባላት፡ ከምኡ ድማ ኣልጀሪያን ሞዛምቢክን ካብ ተለወጥቲ ድምጸን ክዕቅባ እንከለዋ፡ ካልኦት ሃገራት ግን ነቲ ንድፊ ደጊፈን።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀና ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ “ነቶም ተቓለስቲ እተዕጥቕ ዘላ ኢራን ስለ ዝዀነት፡ ናብቲ ሱር ክንጥምት ኣሎና፡” ኢለን።
ተቓለስቲ ሑቲ ንመራኽብ እስራኤል ከም ዘጥቅዑ’ዮም ዝምጉቱ። እንተዀነ ምስ እስራኤል ርክብ ዘይብለን ዛጊት ናይ 40 ሃገራት መራኽብ ዒላማ መጥቃዕቲ ሑቲ ኣብ ማያት ቀይሕ-ባሕሪ ኰይነን ኣለዋ።
ቅጥዒ