ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ሑቲ ብኣመሪካ መጥቃዕቲ እንተተፈጺምዎም ግብረ-መልሲ ከም ዝህቡ ኣፍሊጦም


ፋይል - ዕጡቓት ሑቲ
ፋይል - ዕጡቓት ሑቲ

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሳ መራኽብ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕቲ ዝገብሩ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ብሓይልታት ኣመሪካ እንተ ተጠቒዖም ናይ ግብረ መልሲ ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ኣጠንቂቖም።

መራሒ`ቲ ብኢራን ዝድገፍ ዕጡቕ ጉጅለ የመን ዝኾነ ዓብደልመልክ ኣል፡ሑቲ ኣብ ዝሃቦ ስምዕታ “ኣመሪካውያን ነቲ ኩነታት ከዕርግዎ እንተደልዮምን፡ ንሃገርና ዒላማ ዝገብር ናይ ዕሽነት ስጉምቲ እንተወሲዶምን፡ ንሕና`ውን ዒላማ ክንገብሮም ኢና" ኢሉ።ብናይ ሑቲ ተለቪዥን ኣብ ዝገበሮ መደረ “መራኽብ ኲናት ኣመሪካን ረብሓታት ኣመሪካን ዕላማታት ሚሳይላትናን ድሮናትናን ክኾኑ`ዮም” ኢሉ።

እቲ ርእይቶ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣመሪካ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንምሕላው ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝሳተፍኦ ሓይሊ ባሕሪ ከም ትሃንጽ ድሕሪ ምፍላጣ`ዩ። ናይ ኣመሪካ USS Dwight Eisenhower ዝተባህለት ነፈርቲ ተሸካሚት መርከብ ድሮ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣትያ`ላ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምስ ሓማስ ዘለዎም ሓድነት ንምርኣይ ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከም ዝኾነ `ዩ ዝግለጽ። ዛጊት ልዕሊ 100 ድሮናትን ሚሳይላትን ከምዝተኮሱን ንልዕሊ 10 ናይ ንግዲ መራኽብ ከም ዘጥቅዑን ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስተር ምክልኻል ኣውስትራልያ ሪቻርድ ማርለስ ነቲ ኣመሪካ ትመርሖ ተልእኮ ሓለዋ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ንምሕጋዝ፡ 11 ወተሃደራዊ ኣካላት ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ።

መራኽብ ኲናት ኮነ ነፈርቲ ከም ግን ከምዘይትልእኽ ዘፍለጠ ሪቻርድ ማርለስ፡ ኣውስትራልያ ወተሃደራዊ ሓይላ ኣብ ዞባ ፓሲፊክ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ከተኩር`ዩ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG