ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዋ


መርከብ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ -ፋይል
መርከብ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ -ፋይል

ኣብ ገማግም ማያት የመን ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መርከብ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ ንዕጡቓት ሑቲ ይወቕሱ።

ዋንነታ ናይ ኖርወይ ኣብ ዝኾነት መርከብ ሎሚ ሰኑይ 18 ታሕሳስ 2023 ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ስዒቡ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ እቲ መጥቓዕቲ ዝተበገሰ ብኢራን ብዝድገፍ ምንቅስቓስ ሑቲ ካብ ዝቆፃፀሮ ግዝኣት እዩ ኢሎም።

እታ መርከብ ዋንነታ ናይ ኢንቨንተር ኬሚካል ታንከርስ ናይ ዝተባህለ ትካል ኮይና ብዘይተፈልጠ ነገር ምህራማን እንተኾነ ግን ዋላ ሓደ ሰራሕተኛ እታ መርከብ እውን ከምዘይቆሰለን ተሓቢሩ'ሎ።

ዕጡቓት ሑቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ተካይዶ ንዘላ መጥቓዕቲ ብምቅዋም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ዒላማ ብምግባር መጥቃዕቲ ይፍጸሙ ምህላው ይፍለጥ፡ እቶም ዕጡቓት ምስ እስራኤል ርክብ ንዘለወን መራኽብ ኢና ነጥቅዕ ዘለና ክብሉ ኣብቲ ከባቢ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ምጥንቃቖም ይዝከር።

እታ ዝተወቕዐት መርከብ ናይ ርድኡኒ ፃውዒት ምስ ኣስምዐት ናይ ኣመሪካ ናይ ውግእ መርከብ ግብረ መልሲ ሂባ።

ዕጡቓት ሑቲ መጥቓዕታት እስራኤል ደው ክሳብ ዝብል መጥቓዕታቱ ከምዝቕፅል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጉድል ሓቀኛ ስጉምቲ እንተተወሲዱ ግን እቲ መጥቓዕቲ ከምዝጎድል'ውን ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG