ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሑቲ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ቀይሕ-ባሕሪ ኣካዪዶም


ዕጡቓት ተቃለስቲ የመን ሑቲ ሎሚ ረቡዕ 10 ጥሪ 2024 ብመስመር ቀይሕ-ባሕሪ ንዝሓልፋ መራኽብ፡ ዛጊት እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝተነግረሉ መጥቃዕታ ድሮን ኣካዪዶም። እቶም ተቓለስቲ 18 ቦምባታት ድሮን፡ ክልተ ክሩዝ ሚሳይልን ሓንቲ ጸረ-መራኽብ ቦምባን ምትኳሶም ንምንጭታት ስለያ እቲ ዞባ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኵለን ዝተተኰሳ ቦምባታት ግን ብምክልኻል ኣመሪካን እንግሊዝን ምብርዓንን ዝዀነ ጉድኣት ዘይምውራደንን እቲ ዜና ወሲኹ ይሕብር።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንተቓለስቲ ሑቲ ንምኽልካልን ስጕምቲ ንምውሳድን ውሳነ ንምሕላፍ ሎሚ ረቡዕ ተጋቢኡ ኣሎ። ካብ 15 ኣባል ሃገራት እታ “ካብ ቅልውላው ቓዛ ተፈልዩ ኣይረአን” እትብል ሩስያ ነቲ ውሳነ ናይ ምዕንቃፍ ተኽእሎ ከም ዘለዋ ይእመት።

መስመር ቀይሕ-ባሕሪ ናብቲ ንኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን ዝምግብ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ዘሳግር’ዩ። ብመንገዲ መጻብቦ ባብኤል መንደብ ድማ ኣስታት 10% ናይ ጠቕላላ ንግዲ ነዳዲን ካልእ ጥረ ነገራት ዓለም ይሓልፍ። ብድምሩ በዚ መስመር ናይ ሓደ ትሪሊዮን ዶላር ዓመታዊ ንግዲ ከም ዘሰጋግር ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG