ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ምስ ተሳተፍቲ መበል 70 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት አብ ዘካየድዎ አኬባ ንህውከተኛን ጽንፈኝነትን አብ ምውጋድ ተዘራሪቦም


ፕረዝደንት ኦባማ፡ኣብ ጎኒ መበል 70 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ዳዕሽ ንመንእሰያት ኣብ ምልዕዓልን ምምልማልን ዓቕሚ ንኸየሐይል፡ ክስራሕ ኣለዎ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ብኻልእ ወገን ድማ ቑጽሪ ዝተመልመሉ መንእሰያት ምውሳኹ እናሻቐለ ምምጽኡ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ’ሙን ገሊጾም።

እስላማዊ መንግስቲ`የ ዝብል ጉጅለን ጽንፈኝነት ንዘሰጉሙ ጉጅለታትን ንምሽናፍ ዝተሓባበረ ምላሽ ምሃብ ይግባእ ኢሎም ባንኪሙን።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ`ቲ እዋን፡ ኣብ ምቅላስ ግብረ-ሽበራ፡ ዲሞክራስን ናይ ምዝራብ ናጽነትን መሰረታዊ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

“ሓቀኛ መንገዲ ቀጻልነት ዘለዎ ርግኣትን ዕብየትን፡ ብናይ ምዝራብ ናጽነትን፡ ናጽነት ሃይማኖትን ከምኡ`ውን ምኽባር ስርዓተ ሕጊን፡ ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ዝግለጽ ዲሞክራሲ ምስ ዝህሉ ኣብ ምቅላስ ግብረ-ሽበራ ዓቢ ተራ ይጻወት”

ኣብ`ዚ ትማሊ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ልዕሊ 100 ሃገራት ተሳቲፈን ኔረን። ካብ መንጎኤን ኢትዮጵያ ሓንቲ ኔራ። ልዕሊ 120 ዝኾኑ መራሕቲ ሲቪካዊ ውድባትን ናይ ውልቀ ዘፈርን መራሕቲ`ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ አብዚ ምስማዕ ይኸአል

XS
SM
MD
LG