ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣቃውማ ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክማዓራረ ይግባእ” ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ


ሎም-ዘበን መበል 70 ዓመት ምስረታ ሕቡራት ሃገራት ጥራሕ ኣይኮነን ዝዝከር፣ እንታይ ዳኣ ስለ ህዝቢ ዓለምን ፕላኔትናን ተባሂሉ ደረኽቲ ውሳነታት ዘሕለፍናላ ዓመት’ውን ስለዝኾነ’ዩ ይብሉ ኣቶ ኃይለማርያም።

ኢትዮጵያ ኣባል መስረቲ ሃገራት ሕቡራት ሃገራት ምኻና ዘኩርዕ’ዩ ዝበሉ ቀ/ሚ ኃይለማርያም፣ብስራሕቲ እቲ ናይ ሽዑ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ሕጉስቲ’ኻ እንተዘይነበረት፣ ኢትዮጵያ ብዓለም-ለኻዊነት ትኣምንን ንመትከላት ሕቡራት ሃገራት ትድግፍን ሃገር’ያ ኢሎም።

ኣቃውማ ሕ/ሃ ብሓፈሻ ብፍላይ ኣቃውማ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ንዓለም-ለኻዊ ኩነታት ብዘንጸባርቅ ኣገባብ ንክማዓራረ’ውን ጸዊዖም።

መራሒ ኡጋንዳ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ብወገኖም ’70 ዓመታት ድሕሪ ምስረታ ሕ/ሃ፣ ንመሰረታዊ መትከላት ሕ/ሃ ብዝጻባእ መንገዲ ይራኣይ ዘሎ ዘይማዕርነት ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ክትጻወሮ ዘይትኽእል’ዩ ኢሎም።

‘ስራሕቲ ዓለም-ለኸ ሰላምን ጸጥታን፣ ብጠንቂ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቅ ኣጓኒፎም ዘለው ብድሆታት ኣብ ሓደጋ ይወድቅ ኣሎ’ ኢሎም ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኬንያታ።

ጸብጻብ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሓገራት
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:07 0:00

XS
SM
MD
LG