ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ከተማታት ኦሮምያ ዝካየድ ሰልፍታት ተቃውሞ ይቕጽል አሎ


ሰልፊ ተቃውሞ ተወላዶ ኦሮሞ አብ አምስተርዳም
ሰልፊ ተቃውሞ ተወላዶ ኦሮሞ አብ አምስተርዳም

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከቡ ከተማታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሓወሰ ንዝተባህለ ማስተር ፕላን ብምቅዋም ሎሚመዓልቲ'ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ኦሮሚያ ተቃውሞ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ።ሎሚ ኣብ ዞባ ወለጋ ከተማታት ቀቤ ሃዋ ገላን፣ጂማ ሆሮን ተማሃሮ ምስ ህዝቢ ብሓባር ንምቅዋም ከምዝወጹ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኦሮምኛ ቃሎም ዝሃቡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ሓይልታት ፖሊስ ኣብ ልዕሊ እቶም ተቓወምቲ ሓይሊ ተጠቒሞም'ዮም ዝበሉ ነበርቲ ብዙሓት ቆሲሎም፤ዝሞተ ሰብ ግን የለን ኢሎም ኣለው።

ብናይ ኢትዮጵያ ብሮድ ካስቲንግ ኮሮፓርሽን ቴሌቪዥን ኣማሲዩ ኣብ ዝተመሓላለፈ ዜና ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሙክታር ከዲር መንግስቲ ነቲ ሕብረተሰብ ከይሳተፈን ከየማኸረን ዝኾነ ይኹን ልምዓት ከምዘይፍጸም ገሊጾም ኣለው።

እዚ ከምዚ'ሉ ኸሎ ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ተማሃሮን ኣባላት ሕብረተሰብን ሓይልታት መንግስቲ ወሲዶሞ ንዝበሉዎም ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ኖርወይ-ኦስሎ፣ኣብ ኣውስትራሊያ ከተማታት መልበርን፣ሲዲኒን ፐርዝን ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብኻልእ ዜና ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ/ኢዴፓ/ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተልዓሉ ጸገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ዝተኸተሎ ኣገባብ ኣተሓሳሲቡኒ’ሎ ኢሉ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣብ ኦሮሚያ አብዚ እዋን'ዚ ዝርአ ዘሎን ኩነታት ንመጻኢ ክልዓል ዝኽእልን ንሃገር ክሳብ ምብታን ዝበጸሕ ሓደጋ ክፈጥር እዩ ኢሉ ይኣምን።ሓላፊ ጉዳያት ውዳበ ኢዴፓ ኣቶ ኤርሚያስ ባልከው እቲ ናይ ፌደራል ስርዓት ሽግራት ክፈትሕ ብዝኽእል ኣገባብ ዳግም ክጣየስ ኣለዎ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

አብ ከተማታት ኦሮምያ ዝካየድ ሰልፍታት ተቓውሞ ይቕጽል አሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:14 0:00


XS
SM
MD
LG