ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ንተወላዶ እቲ ብሄር ዝዓለመ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ስክፍታኡ የቐምጥ


ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብምኽንያት መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ፍሉይ ሓይልታት ክልላት ኣመልኪቱ ዘሕለፎ መምርሒ ስዒቡ ብዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ንተወላዶ ብሄረ ኦሮሞ ዘነኣእስ ኣንደበታትን ኣገላልጻታትን ኣዝዩ ከም ዘሻቐሎ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

መግለጺ እቲ ግንባር ከም ዝጠቕሶ፡ መበቆል ብሄር ቀዳማይ ሚኒስተር ምኽንያት ብምግባር፡ “ገለ መራሕቲ እቲ ሓድሽ ኣብያ ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ፡ ኣብ ሰለማዊ ስልፍታቶምን ካልእ ምትእኽኻብን ንብሄረ ኦሮሞ ዘነኣእስን ቂም ዝዘርእን ቋንቋ የዘውትሩ ኣለዉ” ብምባል ይዅንን። እቲ ተግባራት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዘለዉ ተወላዶ ብሄረ ኣምሓራ የዘውትሩዎ ኣለዉ ኢሉ’ውን እቲ መግለጺ ይኸስስ።

ነዚ ብግንባር ናጽነት ኦሮሞ ዝቐረበ ነቐፌታ ኣመልኪቱ፡ ካብ ክልል ኣምሓራ ክሳብ እዚ ዜና ዝተዳለወሉ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ የለን። ንሚሊሻ ፋኖ ሓደ ጠርናፊ’ውን ስለ ዘይብሎም ካብቲ ጉጅለ ግብረ-መልሲ ንምርካብ’ውን ኣይተኻእለን።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለታት መራኸቢታት ክልል ኣምሓራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቶም ኣብቲ ጎንጺ መሪሕ ተራ ኣለዎም ዝበሎም ሰራዊት ሚሊሻ ፋኖ ንምምላሶም ይሰርሕ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ገሊኡ ወገናት ትስፉው ግብረ-መልሲ ምርካቡ ሓቢሩ።

ኣብቲ ሰፋሕቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ዝቐነየሉ ከተማታት ክልል ኣምሓራ’ውን ሎሚ ረቡዕ ተዛማዲ ሰላም ዓሲሉ ምውዓሉ ወኪላትና ካብቲ ከባቢ ጸብጺቦም።

XS
SM
MD
LG