ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደብረብርሃን ዘጋጠመ ጎንጺ ህይወት ዜጋታት ይወስድ


 ከተማ ደብረ ብርሃን- ፋይል
ከተማ ደብረ ብርሃን- ፋይል

ኣብ ከባቢ ከተማ ደብረ ብርሃን፣ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ'ቲ ክልልን ዕጡቓት ፋኖን ብሰንኪ ዝተካየደ ተኹሲ፣ ብውሑድ 10 ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሪኢና ዝብሉ ሰባት ገሊጾም።

እዚ ግጭት’ዚ ዝተወለዐ፣ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንፍሉይ ሓይሊ ክልላት ናብ ዝተፈላለዩ ፌደራላዊን ክልላዊን ትካላት ጸጥታ ንምጽንባር፣ መሊስካ ንምውዳብ ኣብ ዝብል ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዘይምርግጋእ እዩ።

ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት፣ ኣብ መዓስከር ተፈናቐልቲ ሰፊሮም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ብዛዕባ’ቲ ሞት፣ ካብ መንግስቲ ዝተዋሃበ መግለጺ ዛጊት የለን። እቲ ተኹሲ ክሳብ ምሸት ከምዝቐጸለ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ኣብ ባህርዳር’ውን ክሳብ ፍርቂ መዓልቲ ሰሉስ ተኹሲ ይስማዕ ከምዝነበረን ውጥረት ተፈጢሩ ከምዝዋዓለ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ይሕብሩ።

ኣብ ኮምቦልቻ’ውን ነቲ ፌደራል መንግስቲ ዘበገሶ መደብ ዝቃወም ሰልፊ ከምዝነበረ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ዜና ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG