ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭትን ተቓውሞታት ዝተራእየሉ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ናብ ተዛማዲ ሰላም ይምለስ ምህላው ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝተኻየደ ሰልፊ - ፋይል
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ዝተኻየደ ሰልፊ - ፋይል

ኣብዚ ሰሙን ህይወት ሰባት ዝጠፍአሎም ግጭታትን ተቓውሞታትን ዝተርኣየሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ናብ ተዛማዲ ሰላም ይምለስ ከምዘሎ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ባህርዳር፣መራዊ፣ደብረ ማርቆስ፣ጎንደር፣ደሴን ኮምበልቻን ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ቀንዲ ኣብ ዝብሃሉ ከተማታት ተዓፅዮም ዝነበሩ መንግስታዊ ኣብያተ ፅሕፈትን ናይ ውልቂ ትካላት ንግድን ቀስ እናበሉ ናብ ስራሕ ይምለሱ ኣለው ኢሎም።

ንቴሌቪዥን ክልል ኣምሓራ መብርሂ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ኣቶ ግርማ የሺጥላ መንግስቲ ‘ፍሉይ ሓይሊ ፀጥታ ዳግም ንምውዳብ ዘሕለፎ ውሳነ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ኣቐዲሙ ህዝቢ ስለዘይተዘራረበሉ እዩ ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ምስ ህዝቢ ንምምይያጥ መደብ ከምዘሎ'ውን ገሊፆም።

ዝሓለፈ ሶኑይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ከተማ መራዊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣቶ ባየ ምህረቱ ዝተባህሉ ነባሪ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG