ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ፤ ንቐታሊ ፖሊስ ንምሕጋዝ ዝተኸፍተ ህዝባዊ ሓገዝ ይዕጾ


ኣብ ፈረንሳ ወዲ 17 ዓመት ብጥይት ፖሊስ ተሃሪሙ ድሕሪ ምሟቱ፡ ብርሑቕ የማናውያን፡ ንሃራሚ ፖሊስ ንምሕጋዝ ዝተኸፍተ ህዝባዊ መተኣኻኸቢ ገንዘብ ክዕጾ ተገይሩ። እቲ ገጽ ትማሊ ሰሉስ ምሸት ቅድሚ ምዕጻዉ 1.6 ሚልዮን ዶላር ከም ዘዋህለለ ክፍለጥ እንከሎ፡ ከም ሓበሬታ ኣበጋሲ እቲ ሓገዝ እቲ ገንዘብ ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖሊስ ንመጣበቒ ዝኸውን’ዩ።

ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ እቲ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝተኸፍተ ገጽ መተኣኻኸቢ የማናውያን ወገናት ኰይኑ ብዝብል ስክፍታ ክዕጾ ክደፍኡ ጸኒሖም’ዮም።

ነቲ መንእሰይ ቀቲሉ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖሊስ ንምሕጋዝ ዝተዳለወ ገጽ ልዕሊ 100-ሽሕ፡ መብዛሕትኦም ክቱር የማናዊ መርገጺ ዘለዎም ዜጋታት ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ'ሎ። ነቲ ናይ ሓገዝ ገጽ ዝኸፈተ ጂን መሲሓ ዝተባህለ ዜጋ ኰይኑ፡ ካብ ግብጻውያን ስድራ ዝተወልደን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ክቱር ጽልኢ ዘለዎን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ነቲ ኣከራኻሪ ናይ ሓገዝ ገጽ ቅድሚ ምዕጻዉ፡ “ፈረንሳ ኵሉ ግዜ ንፈረንሳውያን ኰይና ክትነብር’ያ፡” ክብል ጽሒፉ'ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG