ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ተቓውሞ ብዝምልከት ምስ ከንቲባታት ከተማታት ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ብምኽንያት ቅትለት ወዲ 17 ዓመት ሻድሻይ መዓልቲ ሒዙ ዘሎ ተቓውሞ ብዝምልከት ምስ ከንቲባታት ከተማታት'ታ ሃገር ሎሚ ሰሉስ 4 ሓምለ 2023 ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ከም ሓበሬታ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት'ታ ሃገር ብሓፈሻ ኣብ 99 ከተማታት ምምሕዳራት መንግስቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቤት ፅሕፈታት ፖሊስን ካልኦት ትካላትን መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ'ሎ ኢሎም።

ትማሊ ሰኑይ ብርክት ዝበሉ ሰባት ንምምሕዳር ከባቢኦም ብምድጋፍ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝኾና ቤት ፅሕፈታት ምምሕዳት ከተማታት ፈረንሳ ተኣኻኺቦም ተራእዮም።

እቲ ናዕቢ ብቀንዱ መቅተልቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ኾይኑ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ፕሮጀክትታት ኣባይቲ ግዝኣታት ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስደተኛታትን መንእሰያትን ደቂ ስደተኛታትን ብዝወርዶም ኣድልዎ ዝተማረሩ መንእሰያት ዝተደገፈእዩ።

ካብቶም ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ 3,354 ሰባት ማእከላይ ዕድመ ፩፯ ምዃኑ እዮም እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ዝዛረቡ ይብል ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕረስ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG