ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓባዩ ነቲ ኣብ ፈረንሳ ብፖሊስ ዝተቐትለ መንእሰይ ናዕቢ ደው ክብል ጸዊዓ


ዓባዩ ኣብ ፈረንሳ ንዝተላዕለ ናዕቢ መበገሲ ዝኾነ ብፖሊስ ዝተቐትለ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ናዕቢ ደው ክብል ትማሊ ሰንበት ጻውዒታ ኣቕሪባ።

ብመሓውራት ዜና ፈረንሳ ዓባዩ እቲ ናዕቢ ንሞት'ቲ መንእሰይ ከም ምስምስም ብምጥቃም ኣብታ ሃገር ዕንወት ንምውራድ ዝሃቀነ እዩ ኢላ ብምፅዋዕ ስድራ መወቲ ህድኣት ክዓስል ፀዊዑ ኣሎ ኢላ።

ሚንስትር ውሽጢ ሃገር ፈረንሳ ጀራልድ ዳርማኒን 45,000 ኣባላት ፖሊስ ምስ ተዋፈሩ እቲ ዓመፅ ዝጎደለ ገሊፁ'ሎ።

ናሀል 27 ሰነ ምስተቐተለ ስዒቡ ዝተራእየ ናዕቢ ብዝሂ ዘለወን መካይን ተቓጺለን፣ ናይ ንግዲ መደብራት ተዘሪፎምን መደበራት ፖሊስ ሓዊሱ መንግስታዊ ትካላት ዒላማ ኮይኖምን እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG